1ይ ሳሙኤል 3
3
እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከም ዝፀውዖ
1ህፃን ሳሙኤል ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በቲ ዘመን እቱይ ቃል እግዚኣብሄር ብርቂ ነበረ፤ ራእይውን ኣይግለፅን ነበረ።
2እቲ ኣዒንቱ ደኺመን ክዓውር ቀሪቡ ዝነበረ ኤሊ ኣብ መደቀሲኡ ደቂሱ ነበረ። 3ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ ድንኳን ደቂሱ ነበረ። እታ ኣብ ድንኳን እትበርህ መብራህቲ ኸይጠፍአት እንተላ፥ 4እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” ኢሉ መለሰ። 5ጐይዩ ናብ ኤሊ ኸይዱ ድማ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። ሳሙኤል ከዓ ተመሊሱ ደቀሰ።
6እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ፀውዖ፤ ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ። ኤሊ ግና “ወደይ፥ ኣነስ ኣይፀዋዕኹኻን፤ ተመሊስካ ደቅስ” በሎ።
7ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈልጦን ነበረ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይተገለፀሉን ነበረ። 8እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ንሳልሳይ ጊዜ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ ተስአ፤ ናብ ኤሊ ኸይዱ ኸዓ “ስለ ዝፀዋዕኻኒ፥ እኒሀኹ” በሎ።
ሽዑ ኤሊ፥ ነቲ ቘልዓ እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዖ ኣስተውዓለ። 9ኤሊ ኸዓ “ኪድ ደኣ ደቅስ፤ እንተ ፀውዐካ ‘ኦ ጐይታ! ኣገልጋሊኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ’ በሎ” ኢሉ ነገሮ። ሳሙኤል ከዓ ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ።
10እግዚኣብሄር ድማ መፀ፤ ደው ኢሉ ኸዓ ኸምቲ ናይ ካልእ ጊዜያት “ሳሙኤል! ሳሙኤል!” ኢሉ ፀውዖ።
ሳሙኤል ከዓ፥ “ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፥ ተዛረብ” በሎ።
11ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “እንሆ፥ ኣነ ኣብ ኵሉ እስራኤል ንዝሰምዖ ነእዛኑ ዘስካሕክሕ ነገር ክገብር እየ። 12በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ስድራ ኤሊ ኽገብሮ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽፍፅሞ እየ። 13እቶም ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምፅኡ እናፈለጠ፥ ብዘይምኽልካሉ ስለ ዝበደለ፥ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርዳ ኣፍሊጠዮ እየ። 14ስለዙይ ከዓ፥ እቲ በደል ስድራ ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ምግቢ ንዘለኣለም ከም ዘይስረየሉ ምሒለ ኣለኹ።”
15ሳሙኤል ድማ ኽሳዕ ዝወግሕ ደቀሰ፤ ብድሕሪኡ መዓፁ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። እቲ ራእይ ንኤሊ ኸይነግሮ ግና ፈርሐ። 16ኤሊ ኸዓ ንሳሙኤል “ሳሙኤል ወደይ!” ኢሉ ፀውዖ። ሳሙኤል ከዓ “እኒሀኹ” በለ።
17ኤሊ ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ? በይዛኻ ኣይትሕብአኒ። ካብቲ ዅሉ ዝተዛረበካ ሓደ እኳ እንተ ሓቢእኻለይ፥ ኣምላኽ ብብርቱዕ ይቕፃዕኻ” በሎ። 18ሽዑ ሳሙኤል እንተይሓብአ ኵሉ ነገሮ። ኤሊ ድማ “ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በለ።
19ሳሙኤል ከዓ ዓበየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ሳሙኤል ካብ ዝዛረቦ ቓል ሓደ እኳ ኣብ መሬት ኣይወድቕን ነበረ። 20ኵሉ እስራኤልውን፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሳሙኤል እሙን ነቢይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። 21እግዚኣብሄርውን መሊሱ ኣብ ሴሎ ተገልፀ፤ ብቓል እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ኣብ ሴሎ ይግለፅ ነበረ። ቃል ሳሙኤል ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል በፅሐ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: