1ይ ሳሙኤል 29
29
ኣንኩስ ንዳዊት ናብ ፂቅላግ ከም ዝመለሶ
1ፍልስጥኤማውያን ድማ ዅሉ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤላውያን ኣብ ኢይዝራኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ። 2እቶም ነገስታት ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኮይኖም ይጕዓዙ ነበሩ፤ ዳዊትን ሰባቱን ከዓ ደጀን ኮይኖም ደድሕሪ ኣንኩስ ይጕዓዙ ነበሩ። 3ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንኣንኩስ “እዞም ዕብራውያን እዚኣቶም ኣብዙይ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” በሉ።
ኣንኩስ ድማ ንነገስታት ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ሓሽከር ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኮነን? ካብ ዓመት ዝበዝሕ ምሳይ ተቐሚጡ እዩ። ካብታ ናባይ ዝተፀግዐላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኣበር ኣይረኸብኩሉን” በሎም።
4እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ግና ዀረዩሉ፤ ከምዙይ እውን በልዎ፦ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ ናብታ ኽቕመጣ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ምለሶ። ኣብ ውግእ ተፃራሪ ምእንቲ ኸይኾነናስ ናብ ውግእ ኣይውረድ። ንሱ ምስ ጐይታኡ ምእንቲ ኽዕረቕ፥ ርእሲ ሓሻኽርና ብምቝራፅ እንተ ዘይኮይኑ ንጐይታኡ ብምንታይ ከሐጕሶ ይኽእል? 5እዙይስ እቲ ደረፍቲ እናሳዕስዓ፦
‘ሳኦል ሽሕ፥
ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ’
ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኮነን?” #1 ሳሙ. 18፡7፥ 21፡12።
6ሽዑ ኣንኩስ ንዳዊት ፀዊዑ “ንስኻ ቕኑዕ ከም ዝኾንካ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብታ ናባይ ዝመፃእኻላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኽፉእ ኣይረኸብኩልካን እሞ፥ ኣብዝ ሰራዊት እዙይን ምሳይ ምውፃእኻን ምእታውካን ሰናይ እዩ። ነዞም ኣሕሉቕ ግና ደስ ኣየበሎምን። 7እምበኣር ሕዝስ ነሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዘጕሂ ኸይትገብርስ፥ ተመለስ እሞ ብሰላም ኪድ” በሎ።
8ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “እንታይ እሞ ገይረ እየ? ኸይደ ምስ ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘየዋግእስ፥ ካብታ ኣብ ቅድሜኻ ዝኾንኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሓሽከርካ እንታይ ረኺብካለይ ኢኻ?” በሎ።
9ኣንኩስ ድማ ንዳዊት “እዞም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ‘ምሳና ኾይኑ ኣይዋጋእ’ ስለ ዝበሉ ደኣ እምበር ንስኻ ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣበር ዘይብልካ ኸም ዝኾንካ እፈልጥ እየ። 10ሕዚ ኸዓ፥ ፅባሕ ንስኻን እቶም ምሳኻ ዝመፁ ኣገልገልቲ ጐይታኻን ኣንጊህኹም ተስኡ እሞ፥ ምስ ወግሐ ተሲእኹም ኪዱ” በሎ።
11ዳዊትን ሰቡን ከዓ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክምለሱ፥ ኣንጊሆም ተስኡ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብ ኢይዝራኤል ደየቡ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 29: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in