YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 28

28
ሳኦልን እታ ኣብ ዔይንዶር ዘላ ጠንቋሊትን
1በቲ ጊዜ እቱይ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣንኩስውን ንዳዊት “ንስኻን ሰብካን ምሳይ ተሰሊፍኩም ከም እትዋግኡ ብርግፅ ፍለጥ” በሎ።
2ዳዊት ድማ “ኣነ ሓሽከርካ ሕዚ ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ። ኣንኩስ ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኵልሻዕ ንባዕለይ ሓላዊየይ ክገብረካ እየ” በሎ።
3 # 1 ሳሙ. 25፡1፥ ዘሌ. 20፡27፥ ዘዳ. 18፡10-11። በቲ ጊዜቱይ ሳሙኤል ሞይቱ ነበረ፤ ኵሎም ደቂ እስራኤል ከዓ ኣልቂሶምሉ፥ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ኣርማቴም ቀቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ ንጠንቈልትን ፀዋዕቲ መናፍስትን ካብታ ምድሪ ኣጥፊእዎም ነበረ።
4ፍልስጥኤማውያን ከቲቶም መፂኦም፥ ኣብ ሱንም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ኣብ ጊልቦዓ ኸዓ ሰፈሩ። 5ሳኦል ድማ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ምስ ረአየ ፈርሐ፤ ልቡውን የመና ተሸበረ። 6ንእግዚኣብሄር ድማ ጠየቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኮነ፥ ብኡሪም ኮነ፥ ብነቢያት፥ ኣይመለሰሉን። #ዘሑ. 27፡21። 7ሽዑ ሳኦል ንሹመኛታቱ “ናብኣ ኸይደ ኽጥይቕስ፥ መናፍስቲ እትፅውዕ ጠንቋሊት ሰበይቲ ድለዩለይ” በሎም። እቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ምስ ምዉታት እተራኽብ ጠንቋሊት ሰበይቲ እኒሃ፥ ኣብ ዔይንዶር ኣላ” በልዎ።
8ሳኦል ድማ መልክዑ ለዊጡ፥ ካልእ ክዳን ተኸዲኑ፥ ምስኡ ኽልተ ሰባት ተማሊኡ፥ ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መፀ። “በይዛኺ ምስ መናፍስቲ ተራኺብኪ ነቲ ኣነ ስሙ ዝፅውዐልኪ ሰብ ኣተስእለይ” በላ።
9እታ ሰበይቲ ድማ “ሳኦል ዝገበሮ፥ ነቶም ጠንቈልትን ነቶም መናፍስቲ ዝፅውዑን ካብዛ ምድሪ ኸም ዘጥፍኦም፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ስለ ምንታይከ ኽተቕትለኒ ኢልካ ንነፍሰይ መፃወድያ ትገብረለይ?” በለቶ።
10ሳኦል ድማ “በዝ ነገር እዙይ ዝኾነ ቕፅዓት ከም ዘይረኽበኪ ህያው እግዚኣብሄር እዩ” ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ።
11ሽዑ እታ ሰበይቲ “ንመንከ ኸተስአልካ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ንሳሙኤል ኣተስእለይ” በላ።
12እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረአየቶ፥ “ንስኻ ሳኦል እንተለኻ ደኣ ስለ ምንታይ ኢኻ ዘታለልካኒ?” ኢላ ዓው ኢላ ተዛረበት።
13እቲ ንጉስ ከዓ “ኣይትፍርሒ፤ ግዳ እንታይ ትርእዪ ኣለኺ?” በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፥ “ኣማልኽቲ ኻብ ምድሪ እንትወፁ ሪአ” በለቶ።
14ንሱ ኸዓ “መልክዑ ኸመይ ዝበለ እዩ?” በላ። ንሳ ድማ “ካባ ዝተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወፅእ ኣሎ” በለት። ሽዑ ሳኦል፥ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
15ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “ስለ ምንታይ ኢኻ ዘተሳእኻኒ? ስለ ምንታይከ እትህውኸኒ?” በሎ። ሳኦል ከዓ “ንኣይ የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፤ እግዚኣብሄርውን ርሒቑኒ፥ ብነቢያት ኮነ ብሕልሚ ኣይመለሰለይን፤ ስለዙይ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ እየ ዝፀዋዕኹኻ” በሎ።
16ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ካብ ረሓቐካ፥ ፀላኢኻውን ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ? 17እግዚኣብሄርስ ከምቲ ብኣይ ዝተዛረቦ እዩ ዝገበረ፤ ነታ መንግስቲ ኸዓ ኻብ ኢድካ ኣሕዲጉ ንብፃይካ ንዳዊት ሂብዋ እዩ። #1 ሳሙ. 15፡28። 18ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዘይፈፀምካን ከምቲ መዓት ቍጥዓኡ ድማ ንሰብ ኣማሌቅ ስለ ዘየጥፋእኻዮምን እዩ፥ እግዚኣብሄር ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዘውረደልካ። #1 ሳሙ. 15፡3-9። 19እግዚኣብሄር ንእስራኤልን ንኣኻን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ። ፅባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኮኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ” በሎ።
20ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል የመና ፈሪሑ፥ ብምሉእ ቁመቱ ፃሕ ኢሉ ናብ ምድሪ ወደቐ። ምልእቲ መዓልትን ምልእቲ ለይትን ከዓ እንጀራ ኣይበልዐን ነበረ እሞ፥ ምንም ሓይሊ ኣይነበሮን።
21እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መፂኣ፥ የመና ኸም ዝደንገፀ ሪኣ “እንሆ፥ ኣነ ገረድካ ቓልካ ሰሚዐ፥ ንህይወተይ ኣብ ኢደይ ዓሚዀ ኸምቲ ዝበልካኒ ገበርኩ። 22ሕዚ ኸዓ በይዛኻ፥ ንስኻ ዘረባይ፥ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፤ መንገዲ ኽትከይድ እንተለኻ፥ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብስ፥ ቍራስ እንጀራ ኸቕርበልካ ብላዕ” በለቶ።
23ንሱ ግና “ኣይበልዕን” ኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ሹመኛታቱ፥ ምስታ ሰበይቲ ኾይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸዓ፥ ካብ ምድሪ ተሲኡ፥ ኣብ ዓራት ተቐመጠ።
24እታ ሰበይቲ ኸዓ ኣብ ገዛኣ ስቡሕ ጣዕዋ ነበራ፤ ተቐላጢፋ ድማ ሓረደቶ፤ ሕሩጭ ወሲዳ ኸዓ ለዊሳ ቕጫ ሰንከተት። 25ኣብ ቅድሚ ሳኦልን ኣብ ቅድሚ ሹመኛታቱን ቀረበትሎም፤ ንሳቶም ከዓ በልዑ፤ ተሲኦም ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸዱ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in