1ይ ሳሙኤል 27
27
ዳዊት ኣብ ማእኸል ፍልስጥኤማውያን
1ዳዊት ብልቡ “ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፤ ስለዙይ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ምህዳም ይሕሸኒ፤ ሽዑ ሳኦል ኣብ ኵሉ ምድሪ እስራኤል ንዓይ ምድላይ ክሓድግ እዩ፤ ኣነውን ካብ ኢዱ ኽድሕን እየ” ኢሉ ሓሰበ።
2ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን፥ ተሲኦም ናብ ቤት ንጉስ ናብ ወዲ ኣሜህ ናብ ኣንኩስ ተሳገሩ። 3ዳዊትን ሰቡን ሕድሕዶም መምስ ቤተ ሰቦም ኣብ ጌት ምስ ኣንኩስ ተቐመጡ። ዳዊትውን ምስ ክልቲአን ኣንስቱ፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን ኣቢግያ በዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባል ዝነበረትን ነበረ። 4ሳኦል ድማ፥ ዳዊት ናብ ጌት ከም ዝሃደመ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ኣይደለዮን።
5ዳዊት ከዓ ንኣንኩስ “ስለ ምንታይ ኣነ ሓሽከርካ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዝቕመጥ? ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኸተማታት ክቕመጥ ቦታ ሃበኒ” በሎ።
6ኣንኩስ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኸተማ ፂቅላግ ሃቦ። ስለዙይ ፂቅላግ ካብኡ ንደሓር ናይ ነገስታት ይሁዳ ኾነት። 7ዳዊት ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ተቐመጠ።
8ዳዊትን ሰባቱን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሱር እትወስድ ክሳዕ ምድሪ ግብፂ ዘላ ሃገር ይቕመጡ ነበሩ። 9ዳዊት ከዓ ነታ ሃገር ወረራ፤ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ንዝኾነ ብህይወት ኣይሓደገን፤ ኣባጊዕን ከፍትን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ማረኸ፤ ተመሊሱውን ናብ ኣንኩስ መፀ።
10ኣንኩስ “ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም?” በሎ፤ ዳዊት ከዓ “ኣብ ደቡብ ይሁዳ፥ ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ደቡብ ቄናውያን” በለ። 11ዳዊት “ኵልሻዕ ልማዱ ኸምዙይ ነበረ” ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፥ ንሰብኣይ ኮነ ንሰበይቲ ይቐትሎም ነበረ እምበር ናብ ጌት ኣየምፅኦምን ነበረ። ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ዝተቐመጠሉ ጊዜያት ከምዙይ ይገብር ነበረ። 12ኣንኩስ ንዳዊት “ብህዝቡ፥ ህዝቢ እስራኤል፥ የመና ተፀሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ኣገልጋሊየይ ክኾነኒ እዩ” ኢሉ ኣመኖ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 27: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in