1ይ ሳሙኤል 26
26
ዳዊት ካልኣይ ጊዜ ንሳኦል ከም ዝራህርሀሉ
1 #
መዝ. 54፡1-2። እቶም ዚፋውያን ድማ ናብ ሳኦል ናብ ገባዖን መፂኦም “ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንፅር ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ የሴሞን ተሓቢኡ ኣሎ” በልዎ።
2ሽዑ ሳኦል፥ ንዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ክደልዮ፥ ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ምስኡ ሒዙ፥ ናብ ምድረ በዳ ዚፍ ወረደ። 3ሳኦል ከዓ ኣብታ ኣብ መንፅር ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዘላ ዀረብታ ሓኪላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብቲ ምድረ በዳ ተቐሚጡ ነበረ። ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ ምድረ በዳ ኸም ዝመፀ ምስ ሰምዐ ድማ፥ 4ዳዊት ሰለልቲ ሰዲዱ፥ ሳኦል ብርግፅ ከም ዝመፀ ፈለጠ።
5ዳዊት ከዓ ተሲኡ፥ ናብታ ሳኦል ሰፊርዋ ዝነበረ ቦታ መፀ። ሳኦልን ኣበኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዝድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ኸዓ ረአየ። ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ደቀሰ፤ እቶም ሓሻኽሩ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ።
6ሽዑ ዳዊት ንኣቢሜሌክ ሂታውን ንኣቢሳይ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብን “ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር፥ መን ምሳይ ይወርድ?” በሎም። ኣቢሳይ ከዓ “ኣነ ምሳኻ እወርድ” በለ።
7ዳዊትን ኣቢሳይን ከዓ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መፁ፤ እንሆ ድማ፥ ሳኦል ኣብ ማእኸል ሰፈር ለጥ ኢሉ ደቂሱ፥ ዂናቱ ኸዓ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ፥ ነበረ። ኣበኔርን እቶም ሓሻኽሩን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።
8ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት “ሎሚ ኣምላኽካ ንፀላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ፤ በይዛኻ እንተየዳገምኩ ብሓንቲ ውርወራ ዂናት ምስ ምድሪ ኸጣብቖ ሕደገኒ” በሎ።
9ዳዊት ግና ንኣቢሳይ “እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ቐቲሉ በደል ዘይኮኖ የለን እሞ፥ ሕደግ ኣይትቕተሎ” በሎ። 10ዳዊት ድማ “ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ወይ እግዚኣብሄር ክቐትሎ እዩ፤ ወይ መዓልቱ በፂሓ ኽመውት እዩ፤ ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ኽጠፍእ እዩ። 11እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ኻብ ምቕታልስ እግዚኣብሄር ይሰውረኒ። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንዓናይ ንኺድ” በሎ። #1 ሳሙ. 24፡6።
12ዳዊት ከዓ ነቲ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰዶ። ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ስለ ዝነበረ፥ ኵሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፥ ሓደ እኳ ዝረአየ፥ ወይ ዝፈለጠ፥ ወይ ዝነቕሐ ኣይነበረን።
13ዳዊት ድማ ናብ ማዕዶ ሓሊፉ፥ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ዀረብታ ደው በለ፤ ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ገፊሕ ቦታ ነበረ። 14ዳዊት ነቶም ሰራዊትን ንኣበኔር ወዲ ኔርን “ኣታ ኣበኔር፥ ኣይትምልስን ዲኻ?” ኢሉ ፀውዖ። ኣበኔር ድማ “ኣታ እትፅውዕ፥ ንንጉስ ከዓ ድቃስ እትኸልእ፥ ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሉ መለሰ።
15ዳዊት ከዓ ንኣበኔር “ንስኻ ሰብኣይዶ ኣይኮንካን? ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ክቐትሎ መፂኡ ነይሩ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓለኻዮ? 16እዝ ዝገበርካዮ ነገር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንጐይታኹም ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ስለ ዘይሓለኹምዎ፥ ንስኻትኩም ሞት ከም ዝግብአኩም ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። እስኪ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ረአ” በሎ።
17ሳኦል ድማ ድምፂ ዳዊት ኣለልዩ፥ “ወደይ ዳዊት፥ እዙይ ድምፅኻ ድዩ?” በሎ።
ዳዊት ከዓ “እወ፥ ጐይታይ ንጉስ! ድምፀይ እዩ” በሎ። 18ኣስዒቡውን “እንታይ ገይረ እየ? ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፉእ ተረኺቡኒ እዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ኢኻ፥ ጐይታይ፥ ንሓሽከርካ እተሳጕጐኒ ዘለኻ? 19እምበኣር ሕዝስ በይዛኻ፥ ጐይታይ ንጉስ! ዘረባ ሓሽከርካ ስማዕ። እቲ ንኣይ ንምስጓጕ ዝደፋፍአካ ዘሎ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ነቲ እትገብሮ ዘለኻ ኸም ምዑዝ መስዋእቲ ይቀበለልካ። ደቂ ሰብ እንተ ኾይኖም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸምልኽ፥ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍሊ ምእንቲ ኸይረክብ ከም ዝስደድ ገይሮምኒ እዮም እሞ። 20ሕዚ ኸዓ ሰብ ንቖቓሕ ኣብ እምባታት ከም ዝሃድን፥ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቑንጪ ኽትደሊ ወፂእኻ ኢኻ እሞ፥ ደመይ ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኣብ ምድሪ ባዕዲ ኣይፍሰስ” በሎ።
21ሽዑ ሳኦል “ኣነ በዲለ እየ፤ ወደይ ዳዊት፥ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፥ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ፥ ነዓ ተመለስ። እንሆ፥ ዓሺየ እየ፤ የመናውን ተጋግየ እየ” በሎ።
22ዳዊት ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዂናት ንጉስ ኣብ ኢደይ እኒሆ፤ ካብቶም ኣጓብዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ። 23ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፤ ኣነ ግና ‘እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከም ፅድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ’ ኢለ ኣብ ልዕሊ እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢደይ ከልዕል ኣይፈተኹን። 24እንሆ ድማ ኸምቲ ሎሚ መዓልቲ ኣነ ዝራህራህኹልካ እግዚኣብሄር ይራህርሀለይ፤ ካብ ኵሉ መከራውን የድሕነኒ” በለ።
25ሽዑ ሳኦል ንዳዊት “ኣታ ወደይ ዳዊት፥ ቡሩኽ ኩን። ዓበይቲ ነገራት ክትገብር ኢኻ፤ ብርግፅውን ክሰልጠካ እዩ” በሎ። ድሕሪዙይ ዳዊት መንገዱ ኸደ፤ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 26: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: