1ይ ሳሙኤል 23
23
ዳዊት ንኸተማ ቕዒላ ኸም ዘድሓና
1ንዳዊት ድማ፥ “እንሆ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይወግእዋ፤ ዓውድታትውን ይወርሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። 2ሽዑ ዳዊት “ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ኪድ፥ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእኻ ንቅዒላ ኣድሕና” በሎ።
3ግና እቶም ሰዓብቲ ዳዊት “እንሆ፥ ንሕና ኣብዙይ ኣብ ይሁዳ እንተለና እኳ እንፈርሕ ዘለናስ፥ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኼድና ግዳ ምፍራሕና ኽገድድዶ ኣይኮነን?” በልዎ።
4ዳዊት ከዓ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ናብ ቅዒላ ኼድካ ተዋግኣዮም” ኢሉ መለሰሉ። 5ዳዊት ከዓ ምስ ሰዓብቱ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፥ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ከብቶም ድማ ዘመተ፤ ብዙሕ ሰብ ከዓ ቐተለሎም። በዙይውን ነቶም ሰብ ቅዒላ ኣድሓኖም። 6ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ፥ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኽሃድም እንተሎ ኤፉድ ተማሊኡ ወረደ።
ሳኦል ንዳዊት ከም ዘሳደዶ
7ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ድማ ንሳኦል ነገርዎ። ሳኦል ከዓ “ናብታ ቕፅርን ማዕፆ ሓፂንን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓፅዩ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ” በለ። 8ቀፂሉ ድማ ሳኦል ንዅሉ ሰራዊቱ ንውግእ ክኸቱን ናብ ቅዒላ ወሪዶም ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክኸብዎም ኣወጀ።
9ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር “ኤፉድ ኣምፅእ” በሎ።
10ከምዙይ ድማ በለ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ሳኦል ናብ ቅዒላ መፂኡ ብሰንከይ ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ ኸም ዝደሊ፥ ኣነ ባርያኻ ብርግፅ ሰሚዐ ኣለኹ። 11ከምቲ ኣነ ባርያኻ ሰሚዐዮ ዘለኹ፥ ሳኦል ናብ ቅዒላዶ ኽወርድ እዩ? ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ክህቡኒ እዮም? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! በይዛኻ እዙይ ንኣይ ንባርያኻ ኣፍልጠኒ” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ክወርድ እዩ” በሎ።
12ዳዊት ድማ “ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰዓብተይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ክህቡና እዮም?” በሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣሕሊፎም ክህቡኹም እዮም” በሎ።
13ሽዑ ዳዊትን እቶም ሽዱሽተ ሚእቲ ዝኾኑ ሰዓብቱን ተልዒሎም ካብ ቅዒላ ወፁ፤ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ድማ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ሳኦል ከዓ፥ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሃደመ ምስ ነገርዎ፥ ምውፃእ ሓደገ።
14ዳዊት ድማ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ተቐመጠ፤ ኣብቲ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ ዘሎ ኾረብታውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከዓ ዅሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፤ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ኣይሃቦን።
15ዳዊት፥ ሳኦል ክቐትሎ ደልዩ ኸም ዝወፀ ረአየ። ሽዑ ኣብታ ኣብ ምድረ በዳ ዚፍ እትርከብ ኣብ ሆረሽ ይቕመጥ ነበረ። 16ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተሲኡ፥ ናብቲ ዳዊት ዘለዎ ናብ ሆረሽ ከደ፤ “እግዚኣብሄር ክሕልወካ እዩ” ኢሉውን ኣተባብዖ። 17ኣስዒቡ ኸዓ “ኣቦይ ክጐድአካ ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ኻልኣይካ ክኸውን እየ፤ ነዙይ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ” በሎ። 18ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ኽልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ኣብ ሆረሽ ተቐመጠ፤ ዮናታን ከዓ ናብ ቤቱ ተመለሰ። #1 ሳሙ. 18፡3።
19ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም፦ “ዳዊት ኣብቲ ዱር ዘሎ ብየሴሞን ደቡብ ምድረ በዳ ዘሎ ዀረብታ ኤኬላ ተሓቢኡ ኣሎ። #መዝ. 54። 20ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ንጉስ! ኣብቲ ደስ ዝበለካ ጊዜ ውረድ፥ ንዳዊት ኣብ ኢድካ ኣሕሊፍና ምሃብ ግና ናትና ሓላፍነት እዩ” በልዎ።
21ሳኦል ድማ “ስለ ዝሓሰብኩምለይ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም። 22ንሱ የመና ጐራሕ ከም ዝኾነ፥ ነጊሮምኒ ኣለዉ እሞ፥ በይዛኻትኩም ኬድኩም ኣበይ ከም ዝመላለስን መን ከም ዝረአዮን ኣረጋጊፅኩም ፍለጡን ረአዩን። 23እቲ ንሱ ዝሕብአሉ መሕብኢታት ርኢኹም ከዓ ፍለጡ፤ ምስ ኣረጋገፅኩም ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፥ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ። ኣብታ ምድሪ እንተ ተሓቢኡ፥ ካብ ማእኸል ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸውፅኦ እየ” በሎም።
24ንሳቶም ከዓ ተሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ብየሴሞን ብወገን ደቡብ ኣብ ዘሎ ጐልጐል ነበሩ። 25ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ኽደልይዎ ኸዱ። ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ናብቲ ኣኻውሕ ወሪዱ ኣብ ምድረ በዳ ማዖን ተቐመጠ። ሳኦል ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ደድሕሪ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ማዖን ሰዓበ።
26ሳኦልን ሰዓብቱን ነቲ ጎቦ ብሓደ ወገኑ ኸዱ፤ ዳዊትን ሰዓብቱን ድማ ነቲ ጎቦ በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ። ሳኦልን ሰዓብቱን ድማ ንዳዊትን ንሰዓብቱን ክሕዝዎም ከቢቦምዎም ነበሩ እሞ፥ ዳዊት ካብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ሃደመ። 27ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መፂኡ “ነዛ ሃገር፥ ፍልስጥኤማውያን ይወርዋ ኣለዉ እሞ፥ ቀልጢፍካ ነዓ” በሎ። 28ሳኦል ድማ ንዳዊት ምስጓጕ ሓዲጉ ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ስለዙይ ከዓ ነታ ቦታ ኰዅሒ ምፍልላይ ኢሎም ሰመይዋ። #23፡28 ኰዅሒ ምፍልላይ፦ ብእብራይስጥ፦ “ሴላዕ ማሕልቆት” ይብል። 29ዳዊት ካብኡ ደዪቡ ኣብቲ ናይ ዓይንጋዲ ፅኑዕ ቦታ ተቐመጠ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: