YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 2

2
ፀሎት ሃና
1ሃና ድማ ኸምዙይ ኢላ ፀለየት፦
“ልበይ ብእግዚኣብሄር ፀንዐ፤
ቀርነይውን ብእግዚኣብሄር ልዕል ልዕል በለ።
ኣፈይ ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ተኸፈተ።
ብምድሓንካውን ተሓጐስኩ።
2ከም እግዚኣብሄር ቅዱስ የለን፤
ብዘይ ዘኣኻ ኻልእ የለንሞ፤
ከም ኣምላኽና ዝበለ ኰዅሒ ኸዓ የለን።
3ኣይትመክሑ፤ ብትዕቢትውን ኣይትናገሩ፤
ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ፤
እግዚኣብሄር ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ እሞ፥
እግዚኣብሄር ንግብርታትውን ይመዝን እዩሞ።
4ቀስቲ እቶም ሓያላት ሰበረ፤
ነቶም ድኹማት ከዓ ሓይሊ ኣዕጠቖም።
5እቶም ፅጉባት ዝነበሩ ጠመዩ፤
እቶም ጥሙያት ዝነበሩ ድማ ፀገቡ፤
እታ መኻን ሸውዓተ ወለደት፤
እታ ብዙሕ ዝወለደት ግና ደኸመት።
6እግዚኣብሄር ይቐትል፥ የድሕንውን፤
ናብ ሲኦል የውርድ፤ መሊሱ ኸዓ የውፅእ። #2፡6 ሲኦል፦ “መቓብር” ማለት እዩ።
7እግዚኣብሄር የድኪ፥ የሀብትምውን፤
የዋርድ፤ ልዕል ልዕልውን የብል።
8ምስ መኳንንቲ ህዝቡ ንኸቐምጦም፥
ዙፋን ክብሪውን ንኸውርሶም፥
ነቲ ድኻ ኻብ ሓመድ የተስኦ፤
ንምስኪንውን ካብ መሬት የልዕሎ፤
መሰረታት ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥
ንዓለም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ ኣሎ።
9ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፤
እቶም ሓጥኣን ግና ስቕ ኢሎም ኣብ ፀልማት ይቕመጡ፤
ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩሞ።
10እቶም ምስ እግዚኣብሄር ዝፃልኡ ይደቁ፤
ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጐድጕድ፤
እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ይፈርድ፤
ንንጉስ ሓይሊ ይህብ፤
ንቐርኒ መሲሑ ኸዓ ልዕል ልዕል የብሎ።” #ሉቃ. 1፡46-55።
11ድሕሪዙይ ሕልቃና ናብ ገዛኡ ናብ ኣርማቴም ከደ። እቲ ህፃን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
ደቂ ኤሊ
12ደቂ ኤሊ ግና ኽፉኣት ነበሩ፤ ፍርሓት እግዚኣብሄርውን ኣይነበሮምን። 13እቶም ካህናት ካብቲ ህዝቢ ኸምዙይ ዝበለ ልማድ ነበሮም፦ ዝኾነ ሰብ መስዋእቲ ሕሩድ እንትስውእ፥ ገና እቲ ስጋ እናበሰለ እንተሎ፥ ሓሽከር እቲ ኻህን ሰለስተ ዘፃፍሩ መቝለብ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመፅእ እሞ፥ 14ናብቲ ኣብ ቍራዕ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ መቝሎ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ ድስቲ ዘሎ፥ ወይ ናብቲ ኣብ ፃሕሊ ዘሎ ስጋ ይወግእ፤ እቲ መቝለብ ዘልዓሎ ዝኾነ ስጋ ኸዓ እቲ ኻህን ንባዕሉ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሴሎ ዝመፁ ዅሎም እስራኤላውያን ከምዙይ ይገብርዎም ነበሩ። 15ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ እንተለዉውን፥ ሓሽከር እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መፂኡ “እቲ ኻህን ጥረ ስጋ ደኣ እምበር፥ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፥ ዝጥበስ ስጋ ሃበኒ” ይብሎ ነበረ።
16ሽዑ እቲ ሰብኣይ “ቅድም እቲ ስብሒ ይሕረር፤ ደሓር ዝደለኻዮ ትወስድ” እንተ በሎ፥ ንሱ ኸዓ “ኣይኾንን፤ ሕዚ ደኣ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ብሓይሊ ኽወስድ እየ” ይብሎ ነበረ።
17እቶም ደቂ ኤሊ በዝ ኸምዙይ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቕዎ ስለ ዝነበሩ፥ ሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ዓብዪ ነበረ።
18ሳሙኤል ግና ገና ብቘልዑኡ እንተሎ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። 19እኖኡ ድማ፥ እቲ በብዓመት እትስውኦ መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርብ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ እንተላ፥ ንእሽተይ ቀሚሽ ሰፍያ በብዓመት ተምፅአሉ ነበረት። 20ኤሊ ድማ ንሕልቃናን ንሰበይቱን ይምርቖም ነበረ። ንሕልቃና ኸዓ “ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘወፈየቶ፥ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሃብካ” ይብሎ ነበረ። ብድሕሪኡ ናብ ቦታኦም ይምለሱ ነበሩ። 21እግዚኣብሄር ድማ ንሃና ዘከራ፤ ንሳ ድማ ጠነሰት፤ ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣጓላትን ከዓ ወለደት። ህፃን ሳሙኤል ድማ ንእግዚኣብሄር እናገልገለ ዓበየ።
22ኤሊ ኸዓ የመና ኣረገ፤ እቶም ደቁ ኣብ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን፥ ምስተን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግላ ኣንስቲ ኸም ዝድቅሱን ሰምዐ። 23ንኣኣቶም ከዓ “እዝ ካብ ኵሉ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘለኹ ኽፉእ፥ ግብርኹምስ እንታይ እዩ? ስለ ምንታይ ኢኹም ኸምዙይ ዝበለ ነገር እትገብሩ ዘለኹም? 24ኣይፋልኩምን ደቀይ፥ እቲ ብዛዕባ ንህዝቢ እግዚኣብሄር እትገብርዎ ዘለኹም እሞ ኣነ ኸዓ ዝሰምዖ ዘለኹ ወረ ፅቡቕ ኣይኮነን። 25ሰብ ንሰብ እንተ በደለ፥ እግዚኣብሄር የተዓርቖ፤ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደለኸ መን የተዓርቖ?” በሎም። እግዚኣብሄር ከጥፍኦም ስለ ዝደለየ ግና፥ ዘረባ ኣቦኣቶም ኣይሰምዑን።
26ህፃን ሳሙኤል ከዓ እናዓበየን፥ ብእግዚኣብሄርን ብሰብን ድማ ሞገስ እናረኸበን ከደ። #ሉቃ. 2፡52።
ስድራ ኤሊ ኸም ዝቕፅዑ ትንቢት ተነግረ
27ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናብ ኤሊ መፂኡ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ግብፂ ኣብ ግዝኣት ፈርዖን እንተለዉ፥ ንነገድ ኣቦኻ ብርግፅ ተገሊፀሎም ነይረ። 28ኣቦኻ ኣሮን ካህነይ ኮይኑ ናብ መሰውእየይ ክድይብ፥ ዕጣን ክዓጥን፥ ኤፉድ ተዓጢቑ ኸገልግለኒ ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ሓርየዮ ነይረ። ኵሉ ብሓዊ ዝቐርብ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ እውን ንቤት ኣቦኻ ሂበዮ ነይረ። #ዘፀ. 28፡1-4፥ ዘሌ. 7፡35-36። 29ነቲ ኣብ ማሕደረይ ክቐርብ ዝኣዘዝክዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምግብን ደኣ ስለ ምንታይ ኢኹም እትረግፅዎ ዘለኹም? ካብ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩዎ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል ዘዝበለፀ በሊዕኹም ምእንቲ ኽትሃጥሩስ፥ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ?’ 30ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ከገልግሉኒ እዮም ኢለ ነይረ’ ደጊም ግና ‘ኣይኸውንን፤ ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም፤ እዙይስ ካባይ ይርሓቕ’ ይብል እግዚኣብሄር። 31እንሆ ኣብ ቤትካ ሽማግለ ምእንቲ ኸይርከብ፥ ቅልፅምካን ቅልፅም ቤት ኣቦኻን ዘጥፍአለን መዓልቲታት ክመፃ እየን። 32ኣብ ኵሉ በረኸት እስራኤል፥ ንስኻ ኣብ መሕደሪየይ ፀላኢኻ ኽትርኢ ኢኻ፤ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ሽማግለ ኣይርከብን እዩ። 33እቲ ኣነ ኣብ መሰውእየይ ከገልግል ብህይወቱ ዝሓድጎ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምጥፋእ፥ ነፍስኻውን ንምምንማን ክኸውን እዩ፤ ኵሉ ኣብ ቤትካ ዝተወለደ ኸዓ ብጕብዝናኡ ክመውት እዩ።
34“እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ኣፍኒንን ፊንሓስን ዝመፅእ፥ ምልክት ክኾነካ እዩ፤ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኽሞቱ እዮም። #1 ሳሙ. 4፡11። 35ኣነ ኸዓ ኸም ልበይን ከም ሓሳበይን ዝገብር እሙን ካህን ከተስእ እየ፤ ንእኡ ፅኑዕ ቤት ከቑመሉ እየ፤ ንሱውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቐባእክዎ ኸገልግል እዩ። 36እቲ ኵሉ ኻብ ቤትካ ዝተረፈ ኸዓ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ቍራስ እንጀራን ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ኽሰግድ እዩ፤ ‘ቍራስ እንጀራ ምእንቲ ኽበልዕስ፥ በይዛኻ እንዶ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት መድበኒ’ እናበለ ድማ ኽልምኖ እዩ።”

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in