YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 17

17
ዳዊትን ጐልያድን
1ፍልስጥኤማውያን ድማ ኽዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሰኮት ናይ ይሁዳ ተኣከቡ፤ ኣብ ኣርፌስደሚም ኣብ መንጎ ሰኮትን ዓዜቃን ከዓ ሰፈሩ። 2ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ኸቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፤ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ድማ ተሰለፉ። 3ፍልስጥኤማውያን ነቲ እምባ ብሓደ ወገኑ ቖይሞም፥ እስራኤልውን ነቲ ጎቦ ብኻልእ ወገኑ ቖይሞም ነበሩ፤ ኣብ መንጎኣቶም ድማ ለሰ ነበረ።
4ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጌት፥ ሽዱሽተ እመትን ስድርን ዝቑመቱ፥ ዋና ጅግና ኻብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ወፀ። 5ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፊኡ ነበረ፤ ሓምሳን ሸውዓተን ኪሎ ግራም ዝምዘን ብነሃስ ዝተሰርሐ ድርዒ ተኸዲኑ ነበረ። 6ኣብ ኣእጋሩ ድማ ብነሃስ ዝተሰርሐ ገምባለ ነበሮ፤ ኣብ መንጎ ማእገሩ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ መዝረቕ ነበሮ። 7ዛቢያ ዅናቱ ድማ ምርጓዱ ኽንዲ መጠቕለሊ ኣላማይ ነበረ፤ እቲ ዂናቱ ኸዓ ሸውዓተ ኺሎ ግራም ዝምዘን ነበረ። እቲ ፀዋር ዋልታኡ ድማ ቐቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
8ጐልያድ ተሲኡ ነቶም ክዋግኡ ተሰሊፎም ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ዓው ኢሉ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ኢኹም ንውግእ ተሰሊፍኩም ዘለኹም? ኣነ ፍልስጥኤማዊ እየ፤ ንስኻትኩም ከዓ ሓሻኽር ሳኦልዶ ኣይኮንክሙን ኢኹም? ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፥ ይግጠመኒ። 9ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኽቐትለኒ እንተ ኽኢሉ፥ ንሕና ባሮትኩም ንኸውን፤ ኣነ ስዒረ እንተ ቐቲለዮ ድማ፥ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ትግዝኡና” በሎም። 10ወሲኹ ኸዓ፥ “ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነዞም ተሰሊፎም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል እንሆ ኣባጭወሎም ኣለኹ። ክልቴና ብውግእ ክንፈታተን ሓደ ሰብኣይ ሃቡኒ” በለ። 11ሳኦልን ኵሉ እስራኤልን ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፥ የመና ፈርሑን ተሸበሩን።
12ዳዊት ወዲ እሴይ ኤፍራታዊ ኸዓ፥ በዓል ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። እሴይ ሸሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፤ ብዘመን ሳኦል ከዓ ዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ሰብኣይ ነበረ። 13እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ንሳኦል ተኸቲሎም ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስሞም ከዓ እቲ በዅሪ ኤልያብ፥ እቲ ኻልኣዩ ኣሚናዳብ፥ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይበሃሉ ነበሩ። 14ዳዊት ካብ ኵሎም ዝነኣሰ ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ምስ ሳኦል ምስ ከዱ ድማ፥ 15ዳዊት ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤተ ልሔም ክሕሉ ይመላለስ ነበረ።
16ጐልያድ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ፥ ጊሓትን ምሸትን፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ቀሪቡ ይረአ ነበረ።
17እሴይ ከዓ ንወዱ ዳዊት “እዝ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ቆሎ እዙይን፥ እዝ ዓሰርተ ሕብስትን ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኣብፅሐሎም። 18እዘን ዓሰርተ ጎጎ ኣጅቦ እዚኣተን ከዓ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን ምህላዎም ረአ፤ ድሃዮም ድማ ኣምፅአለይ፤ 19ንሳቶም ምስ ሳኦልን ምስ ኵሎም ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።”
20ንፅባሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተስአ፤ ነተን ኣባጊዕ ምስ ሓላዊ ሓዲግወን፥ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፥ ፆሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኽስለፍ ዝወፀ ሰራዊት ንውግእ ክፍክር እንተሎ ድማ፥ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መፀ። 21እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ኽዋግኡ ማዕዶ ንማዕዶ ተሰላለፉ። 22ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቑሑ ኣብ ኢድ ሓላዊ ኣቑሑ ሓዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፤ መፂኡ ኸዓ ነሕዋቱ ደሓን ምህላዎም ጠየቖም። 23ንሱ ምስኣቶም ክዛረብ እንተሎ፥ እንሆ፥ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ ጅግና በዓል ጌት፥ ካብቶም ዝተሰለፉ ፍልስጥኤማውያን ውፅእ ኢሉ፥ ከምቲ ቕድም ኢሉ ዝፍክሮ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ፈኸራኡ ቐፀለ፤ ዳዊት ድማ ነዙይ ሰምዖ። 24ሰብ እስራኤል ከዓ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረአይዎ ዅሎም ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ የመናውን ፈርሑ።
25እቶም ሰብ እስራኤል ድማ “ነዝ ተሲኡ ዘሎ ሰብኣይ እዙይ ትርእይዎዶ ኣለኹም? ንእስራኤል ከባጩ እዩ ተሲኡ ዘሎ። ነቲ ነዙይ ዝቐትል ሰብኣይ ንጉስ ከሀብትሞ እዩ፤ ጓሉ ኸዓ ኽህቦ፥ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ካብ ግብሪ ነፃ ኽገብሮ እዩ” በሉ።
26ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።
27ንሳቶም ከዓ “ነቲ ዝቐትሎ ሰብኣይ ከምዙይ ክግበረሉ እዩ” ኢሎም ነቲ ቕድም ዝበልዎ ገለፁሉ።
28እቲ ዓብዪ ሓዉ ኤልያብ ድማ ዳዊት ምስቶም ሰባት ክዛረብ እንተሎ ሰሚዑ፥ የመና ተቘጥዖ፤ “እንታይ ክትገብር ናብዙይ ወረድካ? እተን ውሑዳት ኣባጊዕኸ ኣብ በረኻ ምስ መን ገዲፍካየን? ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ እፈልጥ እየ፤ ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘለኻ” በሎ።
29ዳዊት ድማ “እንታይዶ እሞ ገይረ እየ? እዙይ ዓብዪ ነገርዶ ኣይኮነን እዩ?” በለ። 30ናብ ካልእ ገፁ ግልፅ ኢሉ ኸዓ ኸም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ሰባት እውን ከምቲ ቅድም ዝበልዎ ዘረባ ደገሙሉ። 31እቲ ዳዊት ዝተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዐ ኸዓ፥ ንሳኦል ነገርዎ፤ ንሱ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ።
32ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ብዛዕባዙይ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፤ ኣነ ሓሽከርካ ኸይደ ምስ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ክዋጋእ እየ” በሎ።
33ሳኦል ድማ ንዳዊት “ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፤ ጐልያድ ግና ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፥ ምስ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ክትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ” በሎ።
34ዳዊት ከዓ ንሳኦል “ኣነ ሓሽከርካ ኣባጊዕ ኣቦይ እጓሲ ነበርኩ፤ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ እንትወስድ፥ 35ኣነ ደድሕሪኡ ወፂአ እቐትሎ፤ ካብ ኣፉውን ኣግድፎ ነበርኩ። ክበልዐኒ እንተ መፀ ኸዓ፥ ብጎሮሮኡ ሒዘ ወቒዐ እቐትሎ ነበርኩ። 36ኣነ ሓሽከርካ ኣንበሳን ድብን ዝቐተልኩ ሰብ እየ። እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ከዓ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ኣባጭዩ እዩ እሞ፥ ከም ሓደ ኻብኣቶም ክኸውን እዩ” በሎ። 37መሊሱ ድማ “እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢድ እዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይውን ከድሕነኒ እዩ” በለ።
ሳኦል ከዓ ንዳዊት “እምበኣር ኪድ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን” በሎ።
38ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳኑ ኸደኖ፤ ኣብ ርእሱ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ቝራዕ ርእሲ ደፍአሉ፤ ድርዒውን ከደኖ። 39ዳዊት ድማ ሰይፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዓጠቐ። ፈቲኑዎ ኣይፈልጥን እሞ ክኸይድ ጀመረ። ዳዊት ድማ ንሳኦል “ፈቲነዮ ስለ ዘይፈልጥ፥ ከምዙይ ኢለ ክኸይድ ኣይክእልን እየ” በሎ፤ ዳዊትውን ካብ ልዕሊኡ ኣውፅኦ። 40በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ካብቲ ሩባውን ሓሙሽተ ልሙፃት ኣእማን ሓርዩ፥ ኣብቲ ኽጓሲ እንተሎ ምስኡ ዝነበረ ሳንጣ ኣንበረን፤ ወንጭፉ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኸዓ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ቐረበ።
41እቲ ፍልስጥኤማዊውን ናብ ዳዊት ቐረበ። እቲ ዋልታኡ ዝፀውር ሰብኣይ ድማ ቐቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። 42እቲ ፍልስጥኤማዊ ጐልያድ ከዓ ንዳዊት ኣተኲሩ ምስ ረአዮ፥ ንሱ ቐይሕ መልክዐኛ መንእሰይ ነበረ እሞ ነዓቖ። 43ንዳዊት ከዓ “ብበትሪ እትመፀንስ ኣነ ኸልቢ ድየ?” በሎ፤ ብስም ኣማልኽቱ ድማ ረገሞ። 44ንዳዊት ከዓ “ነዓ ናባይ፤ ኣነ ኸዓ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት በረኻን ክህቦም እየ” በሎ።
45ዳዊት ከዓ ነቲ ፍልስጥኤማዊ፦ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ። 46ሎሚ መዓልቲ፥ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ክህበኒ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽቐትለካ፥ ንርእስኻውን ክቘርፃ እየ፤ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከዓ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ፤ ሽዑ ኣብ እስራኤል፥ ኣምላኽ ከም ዘሎ፥ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ። 47እቲ ውግእ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ዘድሕን ብሰይፍን ብዂናትን ከም ዘይኮነ፥ ኵሉ እዝ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኽህበና እዩ” በሎ።
48እቲ ፍልስጥኤማዊ ተሲኡ ንዳዊት ክገጥሞ ምስ ቀረበ፥ ዳዊትውን ንጐልያድ ክገጥሞ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ። 49ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ሳንጣ ኣእትዩ፥ ካብኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፈ፤ ንጐልያድ ድማ ግምባሩ ኣንሃሎ፤ እታ እምኒ ኸዓ ናብ ግምባሩ ኣተወት፤ ንሱ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፍአ።
50በዝ ኸምዙይ፥ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ሰዒሩ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ፤ ዳዊት ግና ኣብ ኢዱ ሰይፊ ኣይነበሮን። #2 ሳሙ. 21፡19።
51ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፤ ነቲ ሰይፊ ጐልያድ ካብ ሰገባኡ መሲቱ ድማ፥ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፤ ብእኡ ገይሩ ኸዓ ርእሱ ቘረፆ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ ሃደሙ። #2 ሳሙ. 21፡19። 52ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከዓ ተሲኦም ፈከሩ እሞ፥ ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ደገታት ኣቃሮንን ኣሳጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መንገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጌትን ክሳዕ ኣቃሮንን ተወጊኦም ወደቑ። 53ደቂ እስራኤል ከዓ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፥ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ። 54ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦ። ነፅዋር ጐልያድ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ።
55ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኽገጥሞ እንትወፅእ ምስ ረአዮ፥ ንኣበኔር ሓለቓ ሰራዊት፥ “ኣበኔር፥ እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን እዩ?” በሎ። ኣበኔር ከዓ “ኦ ንጉስ! ከም ዘይፈልጦ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
56እቲ ንጉስ ድማ “እምበኣር እዝ መንእሰይ እዙይ ወዲ መን ምዃኑ ጠይቕ” በሎ።
57ዳዊት ንጐልያድ ቀቲሉ ምስ ተመለሰ፥ ኣበኔር ናብ ሳኦል ኣእተዎ፤ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸዓ ገና ኣብ ኢድ ዳዊት ነበረት።
58ሳኦል ድማ “ኣታ ቘልዓ፥ ወዲ መን ኢኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “ወዲ ሓሽከርካ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም እየ” በሎ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in