1ይ ሳሙኤል 16
16
ዳዊት ከም ዝተቐብአ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ እንተለኹስ፥ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ? ናብ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም ክልእኸካ፥ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝኾነኒ ሪአ ኣለኹ እሞ ቐርንኻ ዘይቲ መሊእኻ ኺድ” በሎ።
2ሳሙኤል ከዓ “ሳኦል እንተ ሰምዐ ኽቐትለኒ እዩ፤ ከመይ ኢለ ክኸይድ?” በለ።
እግዚኣብሄር ድማ “ዓርሒ ተማላእ እሞ ‘ንእግዚኣብሄር ክስውአሉ ኢለ መፂአ’ በል። 3ንእሴይ ከዓ ናብቲ መስዋእቲ ፀውዓዮ፤ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፤ ነቲ ዝብለካ ኸዓ ቕብአለይ” በሎ።
4ሳሙኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፤ ናብ ቤተ ልሔምውን ከደ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ እናንቀጥቀጡ ተቐበልዎ “ብሰላምዶ መፂእኻ?” ኸዓ በልዎ።
5ሳሙኤል ድማ “ብሰላም እየ፤ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ እየ መፂአ። ተቐደሱ እሞ ምሳይ ናብቲ መስዋእቲ ንዑናይ” በሎም። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፤ ናብቲ መስዋእቲ ድማ ፀውዖም። 6እሴይን ደቁን ምስ መፁ ኸዓ ሳሙኤል ንኤልያብ ረአዮ፤ “እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ብርግፅ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ኣሎ” ድማ በለ።
7እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል “ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፥ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄር ከም ኣረኣእያ ሰብ ኣይርእን እዩ። ሰብ፥ ገፅ ይርኢ፤ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ” በሎ።
8ሽዑ እሴይ ንኣሚናዳብ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ሳሙኤል ግና “ነዙይውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን” በለ። 9እሴይ ሽዑ ንሳማ ኣሕለፎ። ሳሙኤል ግና “ነዙይውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን” በለ። 10እሴይ ድማ ንሸውዓተ ደቁ ብቕድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከዓ ንእሴይ “እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሓረዮምን” በሎ። 11ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “እዚኣቶም ጥራሕ ድዮም ደቅኻ?” በሎ። ንሱ ግና “ገና እቲ ንእሽተይ ተሪፉ ኣሎ፤ እንሆ ድማ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ” በሎ። ሳሙኤል ድማ ንእሴይ “ንሱ እንተይመፀ ኣብ ማእዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ ልኢኽካ ኣምፅኣዮ” በሎ።
12እሴይ ድማ ልኢኹ ኣምፅኦ፤ ንሱ ቐይሕ፥ ኣዒንቱን፥ ትርኢቱንውን ፅቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከዓ “ንሱ እዩ እሞ ተሲእኻ ቕብኣዮ” በሎ።
13ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነዘው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደረ። ሳሙኤል ከዓ ተሲኡ ናብ ኣርማቴም ከደ።
ዳዊት ኣብ ቤተ መንግስቲ ሳኦል
14መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሳኦል ረሓቐ፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ከዓ የሳቕዮ ነበረ።
15እቶም ኣገልገልቱ ድማ ንሳኦል “እንሆ፥ ካብ ኣምላኽ ዝመፀ ኽፉእ መንፈስ የሳቕየካ ኣሎ። 16እምበኣርከስ ሕዚ ጐይታና ኣብ ቅድሜኻ ዘለና ኣገልገልትኻ፥ ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ክንደሊ ኣዝዘና። እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ናባኻ እንትመፅእ ንሱ ብኢዱ በገና ኽፃወተልካ እዩ እሞ ኽሕሸካ እዩ” በልዎ።
17ሳኦል ድማ ንኣገልገልቱ “እምበኣር ፅቡቕ ገይሩ በገና ዝወቅዕ ሰብ ደሊኹም ርኸቡለይ እሞ ናባይ ኣምፅኡለይ” በሎም።
18ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ፥ “እንሆ፥ ወዲ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም፥ ክኢላ ወቓዒ በገና ሪአ ኣለኹ። ንሱ ብርቱዕ ሓያል፥ ተዋጋኢ፥ ዘረባ ዝኽእል መልክዐኛ ሰብ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምስኡ እዩ” ኢሉ መለሰ።
19ሽዑ ሳኦል ንእሴይ “እቲ መጓሰ ኣባጊዕኻ ዝሕሉ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። 20እሴይ ድማ እንጀራን ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓነት ኣድግን፥ ሓደ ወጠጦን፥ ኣትሒዙ ንዳዊት ወዱ ናብ ሳኦል ሰደዶ።
21ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መፀ እሞ ኣገልጋሊኡ ኾነ፤ ሳኦል ከዓ የመና ፈተዎ፤ ዳዊት ድማ ተሸካም ኣፅዋሩ ኾነ። 22ሳኦል ድማ ንእሴይ “ዳዊት ኣብ ቅድመይ ሞገስ ረኺቡ ኣሎሞ፥ ኣብ ቅድመይ ይቑም” ኢሉ ለኣኸሉ።
23እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ሳኦል ክመፅእ እንተሎ ዳዊት በገና ሒዙ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ንሳኦልውን የሐጕሶ ነበረ፤ የዕርፎውን ነበረ፤ እቲ ኽፉእ መንፈስውን ካብኡ ይርሕቕ ነበረ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in