YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 15

15
ውግእ ምስ ኣማሌቃውያን
1 # 1 ሳሙ. 10፡1። ሳሙኤል ንሳኦል፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን፥ ክቐብአካ ልኢኹኒ ነይሩ። ሕዚ ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝብለካ ቓል ስማዕ። 2#ዘፀ. 17፡8-14፥ ዘዳ. 25፡17-19። ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ደቂ እስራኤል፥ ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ፥ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ እናተቓወሙ ስለ ዝተዋግእዎም፥ ንኣማሌቃውያን ክብቀሎም እየ። 3ሕዚ ኺድ እሞ ንኣማሌቃውያን ውግኣዮም፤ ዘለዎም ኵሉ ድማ ፈፂምካ ኣጥፍኣዮ። ኣይትራህርሀሎም፤ ሰብኣይን ሰበይትን፥ ቈልዓን ህፃንን፥ ብዕራይን በጊዕን፥ ግመልን ኣድግን ቅተል’ ይብል ኣሎ” በሎ።
4ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ፀዊዑ ኣብ ጌልገላ ቘፀሮም፤ ደቂ እስራኤል ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፥ ሰብ ይሁዳ ኸዓ ዓሰርተ ሽሕ ኾኑ። 5ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቃውያን ከደ፤ ኣብ ለሰ ኸዓ ተሓብአ። 6ሳኦል ድማ ንቄናውያን “ንስኻትኩም ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ምሕረት ጌርኩምሎም ኢኹም እሞ፥ ምስኣቶም ከየጥፍአኩምስ ኪዱ፤ ካብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውፁ” በሎም። ቄናውያን ከዓ ኻብ ማእኸል ኣማሌቃውያን ተፈለዩ።
7ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንፅር ግብፂ ዘላ ሹር ተዋጊኡ ሰዓሮም፤ 8ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከዓ ብህይወቱ ሓዞ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ እውን ብስሕለት ሰይፊ ፈፂሙ ኣጥፍኦ። 9ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ምሩፃት ኣባጊዕን ከፍትን ማጓሉን ፅቡቕ ዝኾነ ዅሉን ከጥፍእዎ ስለ ዘይፈተዉ ሓደግዎ፤ ነቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈፂሞም ኣጥፍእዎ።
ሳኦል ብእግዚኣብሄር ከም ዝተንዓቐ
10-11ሽዑ “ሳኦል፥ ንኣይ ምስዓብ ስለ ዝሓደገን ትእዛዘይ ስለ ዘይፈፀመን፥ ንእኡ ብምንጋሰይ ተናሳሕኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መፀ። እዙይ ንሳሙኤል ኣቘጥዖ እሞ፥ ምሉእ ለይቲ ናብ እግዚኣብሄር ክምህለል ሓደረ።
12ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ክረኽቦ ኢሉ ኣንጊሁ ተስአ። እንተ ኾነ “ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ ከይዱ ኣሎ፤ እንሆ ድማ፥ ንእኡ ዝኸውን ናይ መዘከርታ ሓወልቲ ኣቚሙ ዘይሩ ሓሊፉ፤ ናብ ጌልጌላውን ወሪዱ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
13ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መፀ። ሳኦል ከዓ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኻ፤ እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ እየ” በሎ።
14ሳሙኤል ግና “እዝ ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘለኹ ናይ ኣባጊዕን ናይ ከፍትን ድምፂ ደኣ እንታይ እዩ?” በሎ።
15ሳኦል ድማ “እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምፅእወን፥ ካብተን ኣብዑርን ኣባጊዕን ዘዝፀበቓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽስውእወን ኢሎም ዝሓደግወን እየን፤ ነተን ዝተረፋ ግና ፈፂምና ኣጥፊእናየን ኢና” በሎ።
16ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል “እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ ዝተዛረበኒ ኽነግረካ ፅናሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ።
17ሳሙኤል ድማ “ንስኻ ንርእስኻ ንእሽተይ ጌርካ እንተ ገመትካያኳ፥ ሓለቓ ነገዳት እስራኤል ኮንካ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብአካ። 18እግዚኣብሄር ከዓ ‘ኪድ ነቶም ሓጥኣን ኣማሌቃውያን ፈፂምካ ኣጥፍኣዮም፤ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ውግኣዮም’ ኢሉ ሰደደካ። 19ስለ ምንታይ ኢኻ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዘይፈፀምካ? ስለ ምንታይከ ናብቲ ዝተዘምተ ሰሲዕኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ?” በሎ።
20ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ፈፂመ፥ ከምቲ ዝለኣኸኒ ገይረ ኸዓ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፂአዮ ኣለኹ፤ ንኣማሌቃውያን ድማ ፈፂመ ኣጥፊአዮም እየ። 21ግና እቶም ህዝቢ ዝተዘምታ ኣባጊዕን ከፍትን፥ ካብቲ ሕሩም እቲ ዘዝፀበቐ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጌልገላ ኽስውኡሉ ኢሎም ወሰዱወን” በሎ።
22ሳሙኤል ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ንእግዚኣብሄርስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን፥ ከም ምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ?
እንሆ፥ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ፥
ቃሉ ምስማዕውን ስብሒ ማጓሉ ኻብ ምቕራብ ይበልፅ።
23ዓመፅ፥ ከም ሓጢኣት ጥንቍልና፥
ህልኽ ከዓ፥ ከም ምምላኽ ጣዖትን ተራፊምን እዩ።
ንስኻ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥
እግዚኣብሄር ከዓ ንጉስ ከይትኸውን ነዓቐካ”
24ሳኦል ድማ ንሳሙኤል “እወ፥ ነቶም ህዝቢ ፈሪሐ ኸም ቃሎም ስለ ዝገበርኩ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርን ዘረባኻን ስለ ዝጠሓስኩ፥ በዲለ እየ። 25ሕዚ ድማ በይዛኻ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ፤ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ከዓ ምሳይ ተመለስ” በሎ።
26ሳሙኤል ንሳኦል “ትእዛዝ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፥ ምሳኻ ኣይምለስን እየ” በሎ።
27ሳሙኤል ክኸይድ ገፁ ምስ መለሰ፥ ሳኦል ጫፍ ክዳኑ ኣፅኒዑ ሓዘ እሞ ኽዳን ሳሙኤል ተቐደደ። 28ሳሙኤል ድማ “እግዚኣብሄር ሎሚ ንመንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ፥ ካባኻ ንዝሐይሽ ንጐረቤትካ ኣሕሊፉ ሃባ። #1 ሳሙ. 28፡17፥ 1 ነገ. 11፡30-31። 29እቲ ሓይሊ እስራኤል፥ ከይናሳሕ ሰብ ኣይኮነን እሞ፥ ንሱ ኣይሕሱን፤ ኣይናሳሕንውን እዩ” በሎ።
30ሳኦል ድማ “በዲለ እየ። ሕዚ ግና ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድስ ምሳይ ተመለስ” በሎ። 31ሽዑ ሳሙኤል ምስ ሳኦል ተመለሰ፤ ሳኦል ከዓ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
32ሳሙኤል ድማ “ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፅኡለይ” በለ። ኣጋግ ከዓ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠ ናብ ሳሙኤል መፀ። ኣጋግውን “ብሓቂ ሞት ከምዙይ መሪር ድዩ?” በለ።
33ሳሙኤል ከዓ “ሰይፍኻ ነንስቲ፥ ውሉድ ዘይብለን ከም ዝገበረተን፥ ከምኡ ኸዓ እኖኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ፥ ውሉድ ዘይብላ ትኹን” በለ። ሽዑ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጌልገላ ቘራረፆ።
34ሳሙኤል ከዓ ናብ ኣርማቴም ከደ፤ ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ደየበ። 35ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይሓዝን ነበረ። ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ መሊሱ ንሳኦል ክርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተናስሐ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in