1ይ ሳሙኤል 12
12
ሳሙኤል ቃል ፈነዋ ኸም ዝተዛረበ
1ሳሙኤል ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓል ሰሚዐ ንጉስ ኣንገስኩልኩም። 2ሕዚ ኸዓ እቲ ዝመርሐኩም ንጉስ እንሆ፤ ኣነ ኣሪገ እየ፤ ደቀይ ከዓ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም ከድኩ። 3ሕዚ እውን እኒሀኹ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝቐብኦን መስክሩለይ፤ ናይ መን ብዕራይ ወሰድኩ? ናይ መን ኣድጊኸ ወሰድኩ? ንመንከ ኣታለልኩ? ንመን ግፍዒ ገበርኩ? ኣዒንተይ ንምዕዋርከ ኻብ መን ጉቦ ተቐበልኩ? ኣነውን ክመልሰሉ እየ።”
4ንሳቶም ከዓ “ኣየታለልካናን፤ ግፍዒውን ኣይገፋዕኻናን፤ ካብ ኢድ ሰብውን ዝኾነ እኳ ኣይወሰድካን” በልዎ።
5ሳሙኤል ከዓ “ኣብ ኢደይ ምንም ከም ዘይረኸብኩምለይስ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄርን እቲ ንሱ ዝቐብኦን ምስክር እዮም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ምስክር እዩ” በሉ።
6ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝሓረዮም፤ ነቦታትኩም ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር እዩ። #ዘፀ. 6፡26። 7እምበኣር ሕዝስ ብዛዕባ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ፅድቂ ግብርታቱ፤ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምስ ኣብዙይ ደው በሉ።
8“ያእቆብ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን ከዓ ነቦታትኩም ምስ ኣጨነቑዎም፥ ኣቦታትኩምውን ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኾም፤ ንሳቶም ከዓ ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኣውፅእዎም፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም። #ዘፀ. 2፡23።
9“ንሳቶም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረስዕዎ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ኢድ ሲሳራ ሓለቓ ሰራዊት ኣሶርን ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም። #ምሳ. 3፡12፥ 4፡2፥ 13፡1። 10ሽዑ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ብምግልጋል በዲልና ኢና፤ ሕዚ ግና ኻብ ፀላእትና ኣድሕነና፤ ንሕና ድማ ኽነገልግለካ ኢና’ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። #ምሳ. 10፡10-15። 11#ምሳ. 4፡6፥ 7፡1፥ 11፡29፥ 1 ሳሙ. 3፡20። እግዚኣብሄር ከዓ ንይሩበዓልን #12፡11 “ጌዴዎን” ማለት እዩ። ንባርቅን ንዮፍታሔን ንሳሙኤልን ልኢኹ፥ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነብሩ ዘለዉ ፀላእትኹም ኣድሓነኩም፤ ሃዲእኹም ድማ ተቐመጥኩም። #12፡11 “በዳን” ይብል።
12“ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ከም ዝመፀኩም ምስ ረአኹም ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም እንተሎስ፥ ‘ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ’ በልኩምኒ። #1 ሳሙ. 8፡19። 13ሕዚ ኸዓ፥ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሓረኹምዎን ንጉስ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንጊሱልኩም ኣሎ። 14ንእግዚኣብሄር እንተ ፈሪሕኹምዎን እንተ ኣምሊኽኩምዎን ቃሉውን እንተ ሰሚዕኹምን ትእዛዙውን እንተ ሓሊኹምን፥ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስን ኵሉ ኽቐንዐኩም እዩ። 15ቃል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ዘይሓሊኹም ግና ሽዑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝቐፅዖም ንኣኻትኩምን ንንጉስኩምን ክቐፅዐኩም እዩ።
16“ሕዚ ኸዓ ደው ኢልኩም ናብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገብሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ። 17ሎሚ ጊዜ ቐውዒ ስርናይዶ ኣይኮነን? እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትሪኡንስ፥ ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፤ ንሱ ኸዓ ነጐድጓድን ዝናምን ክሰድድ እዩ።”
18ሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖ፤ እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጐድጓድን ዝናምን ሰደደ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን የመና ፈርሕዎም።
19ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ ንሳሙኤል “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትናስ፥ ንጉስ ብምልማንና ወሲኽና ኽፉእ ጌርና ኢና እሞ ምእንቲ ኸይንመውትስ፥ ንኣና ንሓሻኽርካ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና” በልዎ።
20ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣይትፍርሑ፤ ምግባርስ ነዝ ዅሉ ኽፉእ ነገር እዙይ ጌርኩምዎ ኢኹም፤ ግና ንእግዚኣብሄር ምኽታል ኣይትሕደጉ፤ ብምሉእ ልብኹም ደኣ ንእኡ ኣገልግልዎ። 21እቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን ኣማልኽቲ፥ ከንቱ ስለ ዝኾኑ፥ ምስዓቦምውን ከንቱ እዩ እሞ፤ ኣይትስዓብዎም። 22እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ። 23ኣነስ እታ ፅብቕትን ቅንዕትን መንገዲ ኽምህረኩም እየ። ምእንታኻትኩም ምፅላይ ብምሕዳገይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳል የድሕነኒ። 24እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ እሞ ንእኡ ጥራሕ ፍርሑ፤ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከዓ ኣገልግልዎ። 25መሊስኩም ክፉእ እንተ ገበርኩም ግና ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።”
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: