1ይ ሳሙኤል 10
10
1ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ እሞ ሰዓሞ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ርስቱ ሓለቓ ኽትከውን እግዚኣብሄር ቀቢኡካ ኣሎ፤ ንህዝቢ እግዚኣብሄርውን ክትገዝእ ኢኻ፤ ኣብ ዙርያኦም ካብ ዘለዉ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ክተድሕኖም ኢኻ። #10፡1 ኣብ ገሊኡ ጥንታዊ ብራናታት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ርስቱ መራሒ ኽትከውን ከም ዝቐብአካ እዙይ ምልክት ይኹንካ” ዝብል ይርከብ። 2ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፥ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፥ ኣብ ወሰን ብንያም ኣብ ፄልፃሕ ዝበሃል ቦታ ኽልተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ‘እተን ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካ ኣእዱግ ተረኺበን፤ እንሆ ድማ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሓዲጉ፥ ብዛዕባ ወደይ እንታይ ክገብር እየ? እናበለ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ’ ኽብሉኻ እዮም።
3“ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ታቦር ኣብ ዘላ ዓባይ ኦም ምስ በፃሕኻ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ዝድይቡ እቲ ሓደ፥ ሰለስተ ወጠጦ እናሰሓበ ዝኸይድ፥ እቲ ኻልኣይ ሰለስተ እንጀራ ዝፆረ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ሓርቢ ወይኒ ዝፆረ፥ ሰለስተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ። 4ንሳቶም ‘ሰላም ክብሉኻ እዮም፤ ክልተ እንጀራውን ክህቡኻ እዮም፤ ንስኻ ኸዓ ኻብ ኢዶም ክትቅበል ኢኻ።’
5“ድሕሪዙይ ናብቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዀረብታ እግዚኣብሄር ክትበፅሕ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ እንተለኻ ድማ፥ ብበገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ዝተሰነዩ ጉባኤ ነቢያት፥ ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ እንትወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም። 6መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኻ ኽወርድ እዩ፤ ምስኣቶም ድማ ኽትንበ ኢኻ፤ ካልእ ሰብ ኴንካ ድማ ኽትልወጥ ኢኻ። 7እዞም ምልክታት እዚኣቶም ምስ በፅሑኻ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ስለ ዝኾነ፥ እቲ ዝግባእ ግበር።
8“ቅድመይ ናብ ጌልገላ ውረድ፤ እንሆ ኸዓ ኣነ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዕርግ፥ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ኽስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መፂአ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካ ግና ሸውዓተ መዓልቲ ኽትፀንሕ ኢኻ።”
ሳኦል ከም ዝነገሰ
9ሳኦል ካብ ሳሙኤል ክኸይድ ገፁ ምስ መለሰ፥ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ዅሎም እዞም ምልክታት እዚኣቶም በፅሑሉ። 10ናብታ ዀረብታ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ ጉባኤ ነቢያት ተቐበልዎ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ተነበየ። 11ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ፥ ሳኦል ምስ ነቢያት ኮይኑ ክንበ ምስ ረአይዎ፥ “እዝ ኣብ ወዲ ቂስ ኮይኑ ዘሎ እንታይ እዩ? ሳኦልውንዶ ምስ ነቢያት እዩ?” ተበሃሃሉ።
12ኣብቲ ስፍራ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ ከዓ “ኣቦ እዞም ነቢያትስ መን ድዩ?” ኢሉ መለሰ። ስለዙይ ከዓ እዩ እቲ “ሳኦልውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ዝብል ምስላ ዝኾነ። #1 ሳሙ. 19፡23-24። 13ትንቢት ምንጋር ምስ ወድአ ድማ ናብቲ መስገዲ ቦታ ኸደ።
14ሓወቦ ሳኦል ከዓ ንእኡን ንኣገልጋሊኡን “ናበይ ኬድኩም ኔርኩም?” በሎም። ንሱ ድማ “ኣእዱግ ክንደሊ፥ ምስ ሰኣንናየን ከዓ ናብ ሳሙኤል ከድና” በሎ።
15ሓወቦ ሳኦል ድማ “እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።
16ሳኦል ከዓ ንሓው ኣቦኡ “እተን ኣእዱግ ከም ዝተረኽባ ብርግፅ ነገረና” በሎ። እቲ ሳሙኤል ብዛዕባ ምንጋሱ ዝበሎ ግና ኣይነገሮን።
17ሳሙኤል ድማ ንህዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ፀውዖም። 18ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዘጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሓንኩኹም’ ይብል ኣሎ። 19ንስኻትኩም ግና ሎሚ ነቲ ኻብ ኵሉ መከራን ጭንቀትን ዘድሕነኩም ኣምላኽ ነዓቕኩምዎ፤ ንእኡ ኸዓ ‘ኣይፋልካን! ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና’ በልኩምዎ። እምበኣር ሕዚ በብነገድኩምን በብማይ ቤትኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ” በሎም።
20ሳሙኤል ከዓ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፤ እቲ ዕፃ ድማ ኣብ ልዕሊ ነገድ ብንያም ወደቐ። 21ንነገድ ብንያም ከዓ በብዓሌቶም ኣቕረቦም፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንዓሌት ማትሪ ሓረየ። ካብ ዓሌት ማትሪ ኸዓ ንሳኦል ወዲ ቂስ ሓረየ። ንሳኦል እንተ ደለይዎ ግና ኣይረኸብዎን። 22መሊሶም ከዓ “እቲ ሰብኣይ ናብዙይዶ መፂኡ ኣሎ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ።
እግዚኣብሄር ድማ “እወ! ንሱ ኣብ መንጎ ኣቑሑ ተሓቢኡ ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም።
23ጐይዮም ከዓ ንሳኦል ካብኡ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፥ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ማእገሩ ንላዕሊ ነውሖ። 24ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ፥ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዘየለ፥ ርኢኹምዶ?” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ንጉስ ህያው ይኹን” እናበሉ ዕልል በሉ።
25ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ሕግታት መንግስቲ ነገሮም፤ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ዅሉ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ።
26ሳኦል ድማ ናብ ቤቱ ናብ ገባዖን ከደ፤ እግዚኣብሄር ልቦም ዘለዓዓሎም ጀጋኑ ኸዓ ምስኡ ኸዱ። 27ሓድሓደ ኽፉኣት ሰባት ግና “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸድሕነና እዩ?” ኢሎም ስለ ዝነዓቕዎ፥ ገፀ በረኸት ኣይሃብዎን። ንሱ ግና ኸም ዘይሰምዐ ኾነ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: