YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ሳሙኤል 1

1
ሳሙኤል ከም ዝተወለደ
1ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ። 2ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ። ስም እታ ሓንቲ ሃና፥ ስም እታ ኻልአይቲ ኸዓ ፍናና ነበረ። ንፍናና ውሉድ ነበርዋ፤ ንሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን።
3ሕልቃና ኸዓ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግድን መስዋእቲ ኸቕርብን በብዓመት ካብ ከተማኡ ናብ ሴሎ ይድይብ ነበረ። ካህናት እግዚኣብሄር ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፥ ኣፍኒንን ፊንሃስን፥ ኣብኡ ነበሩ። 4እታ ሕልቃና መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ኽትበፅሕ እንተላ፥ ንፍናና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳትን ኣጓላትን ደቃ፥ ካብቲ መስዋእቲ ገግደኦም ሃቦም። 5ንሃና ግና፥ እግዚኣብሄር ማህፀና ዓፅዩ እኳ እንተ ነበረ፥ ስለ ዝፈትዋ ዕፅፊ ገይሩ ግደኣ ሃባ። 6እግዚኣብሄር ማህፀና ዓፅዩ ነበረሞ፥ እታ ብፀይታ ፍናና ምእንቲ ኽተዀርያ መመሊሳ ትሕጭጨላ ነበረት። 7ንሱ በብዓመቱ እዙይ ብዝገበረ ቝፅሪ፥ ንሳውን በብዓመቱ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብዝደየበትሉ ቝፅሪ፥ ተበሳጭዋ ነበረት፤ ሃናውን ትበኪ ነበረት፤ ዝኾነውን ኣይትጥዕምን ነበረት። 8ሰብኣያ ሕልቃናውን “ሃና፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ? እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ? እንታይ ኴንኪኸ ትጕህዪ ኣለኺ? ንምንታይ ልብኺ ይሓዝን? ካብ ዓሰርተ ውላድ፥ ኣነዶ ኣይሕሸክን?” በላ።
9ኣብ ሴሎ በሊዖምን ሰትዮምን ምስ ወድኡ ሃና ተስአት። ካህን ኤሊ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ። 10ሃና ኸዓ ብልባ ኣምሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፤ 11“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት። #ዘሑ. 6፡5።
12ሃና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንዊሓ ኽትፅሊ እንተላ፥ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። 13ሃና፥ ብልባ እንትትፅሊ ኸናፍራ ጥራሕ ይንቀሳቐስ ነበረ እምበር፥ ድምፃ ኣይተሰምዐን፤ ስለዙይ ኤሊውን ሰኺራ ግዲ እያ ኢሉ ሓሰበ። 14መሊሱውን “እዝ ስኽራንኪ ኽሳዕ መኣዝ ኢዩ? ደጊምስ ንወይንኺ እባ ኻባኺ ኣርሕቒዮ” በላ።
15ንሳ ግና “ጐይታይ፥ ኣይፋለይን፤ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኣ ሰበይቲ እየ እምበር፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይሰተኹን፤ ብፀሎት ደኣ ጭንቀይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍስስ ኣለኹ። 16እቲ ኽሳዕ ሕዚ ዘዛረበንስ፥ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፥ ንኣይ ንኣገልጋሊትካ ኸም ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኣይትቝፀረኒ” ኢላ መለሰትሉ።
17ሽዑ ኤሊ “ብሰላም ኪዲ፤ ኣምላኽ እስራኤል፥ ኵሉ ዝለመንክዮ ልመና ይሃብኪ” በላ።
18ንሳ ኸዓ “ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እርከብ” በለቶ። መንገዳ ኸደት፤ በልዐትውን፤ ድሕሪዙይ ጓሂ ዝብልዎ ኣብ ገፃ ኣይተርኣየን።
19ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፤ ተመሊሶም ከዓ ናብ ቤቶም ናብ ኣርማቴም ኣተዉ። ሕልቃና ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፤ እግዚኣብሄርውን ዘከራ። 20ኣዋርሕ ጥንሳ ምስ ተፈፅመ ሃና ወዲ ወለደት። “ካብ እግዚኣብሄር ለሚነ ዝረኸብክዎ እዩ” እንትትብል ሳሙኤል በለቶ።
ሃና ንሳሙኤል ከም ዝወፈየቶ
21ሕልቃና ድማ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብፅዓኡን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርብ ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ሴሎ ደየበ። 22ሃና ግና ኣይደየበትን፤ ንሰብኣያ ሕልቃና ድማ “ኣነስ፥ እዝ ህፃን ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ፥ ናብ ሴሎ ኣይድይብን እየ፤ ጡብ ምስ ሓደገ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክረአ፥ ከብፅሖ እየ፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣብኡ ኽነብር እዩ” በለቶ።
23ሕልቃና ድማ “ፅቡቕ መሲሉ ዝተርኣየኪ ግበሪ፤ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ፅንሒ፤ እግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓኺ ይፈፅመልኪ” በላ። ንሳ ድማ ተረፈት፤ ወዳ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ከዓ እናጥበወት ኣብ ገዛኣ ተቐመጠት።
24እቲ ህፃን ጡብ ምስ ሓደገ ኸዓ፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ዝራብዕን ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፥ ወዳ ሒዛ ናብ ሴሎ ደየበት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ህፃን ገና ንእሽተይ ነበረ። 25ነቲ ዝራብዕ ምስ ሓረድዎ ነቲ ህፃን ናብ ኤሊ ኣምፅእዎ። 26ሃና ኸዓ “ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፥ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር ትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ። 27ነዝ ህፃንዙይ ክህበኒ እየ ዝልምን ዝነበርኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ እቲ ዝለመንክዎ ሂቡኒ። 28ስለዙይ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣለኹ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ንእግዚኣብሄር ተውሂቡ እዩ” በለት። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in