1ይ ነገስት 2:2-4
1ይ ነገስት 2:2-4 ትመ15
“ኣነ መንገዲ ዅሉ ምድሪ እኸይድ ኣለኹሞ፥ ፅናዕ፤ ሰብውን ኩን። እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ምእንቲ ኽቐንዐካስ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ፤ ከም ፍቓዱ ኸዓ ንበር፤ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ስርዓቱን ድማ ሓሉ። እግዚኣብሄር ነቲ ‘ደቅኻ፥ ብኣካይዳኦም እንተ ተጠንቂቖም፥ ኣብ ቅድመይ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ብሓቂ እንተ ተመላሊሶም፥ ካብ ዘርእኻ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝነግስ ኣየቋርፅን እዩ’ ኢሉ ዝተናገሮ ቓል ምእንቲ ኸፅንዕ እዩ።