1ይ ነገስት 1
1
ንጉስ ዳዊት ኣብ እርጋኑ
1ንጉስ ዳዊት ሸምገለ፤ ዕድሚኡውን ነውሐ፤ ክዳውንቲ እንተ ደረቡሉኳ ኽመውቕ ኣይከኣለን። 2ሽዑ እቶም ኣገልገልቱ “ንጐይታና ንንጉስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ቆይማ እተላዕሎን እትኣልዮን፥ ምእንቲ ኽመውቕ ከዓ ሓቚፋቶ እትድቅስ ድንግል ጓል ክንደልየሉ” በልዎ። 3ሽዑ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል መልክዐኛ ጓል ደለዩ። ንሱናማዊት ኣቢሳውን ረኸቡ እሞ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣምፅእዋ። 4ንሳ የመና ፅብቕቲ ነበረት፤ ንንጉስ ከዓ ትከናኸኖን ተገልግሎን ነበረት፤ እቲ ንጉስ ግና ኣይፈልጣን ነበረ።
ኣዶንያስ ክነግስ ከም ዝፈተነ
5-6 #
2 ሳሙ. 3፡4። ኣቤሴሎም ስለ ዝሞተ፥ እቲ ኻብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ወዲ ዳዊት፥ ድሕሪ ኣቤሴሎም ዝተወለደ ነበረ። ንሱ የመና ምልኩዕ ሰብኣይ ነበረ፤ ኣቦኡውን ምሉእ ህይወቱ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኸምዙይ እትገብር?” ኢሉ ነቒፍዎ ኣይፈልጥን ነበረ። ሽዑ “ኣነ ኽነግስ እየ” ብምባል ተልዓለ፤ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ሰብኡትን ከዓ ኣዳለወ። 7ንኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ንኻህን ኣብያታርን ድማ ምስጢሩ ነገሮም፤ ንሳቶም ከዓ ደገፍዎ። 8ካህን ሳዶቅን በናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቢይ ናታንን ሳሚን ሬሲን እቶም ሓያላት ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያስ ኣይነበሩን።
9ኣዶንያስ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዓይንሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔሌት ኣባጊዕን ከፍትን ስቡሓት ጣዓዉን ሓረደ። ንዅሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዅሎም ሹመኛታት ንጉስ ዝኾኑ ሰብ ይሁዳን ከዓ ፀውዖም። 10ንነቢይ ናታንን ንበናያስን ነቶም ጀጋኑ ሓለውቲ ንጉስን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይፀውዖምን።
ናታንን ቤርሳቤህን ከም ዝተመሳጠሩ
11ሽዑ ናታን ንቤርሳቤህ እኖ ሰሎሞን፥ “ጐይታና ንጉስ እንተይፈለጠ፥ ካብ ኣጊት ዝውለድ ኣዶንያስ ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕኽን ኢኺ?” በላ። #2 ሳሙ. 12፡24። 12“ሕዚ ድማ ህይወትክን ህይወት ሰሎሞን ወድኽን እተድሕንሉ ምኽሪ ኽመኽረኪ ንዒ። 13ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት እተዊ፤ ‘ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ንስኻ ንኣይ ንገረድካ፥ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ እዩ፥ ንሱ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ፥ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን? ስለ ምንታይ ደኣ ኣዶንያስ ነገሰ?’ በሊዮ። 14እንሆ፥ ገና ንስኺ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ እንተለኺ ኸዓ ኣነ ብድሕሬኺ ኣትየ፥ እቲ ዝበልክዮ ሓቂ ኸም ዝኾነ ኸረጋግፀሉ እየ” በላ።
15ቤርሳቤህ ከዓ ናብ ንጉስ ናብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ የመና ኣሪጉ ነበረ፤ ኣቢሳ እታ ሱናማዊት ከዓ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት። 16ቤርሳቤህ ድማ ድንን ኢላ ንንጉስ ዳዊት ኢድ ነስአትሉ። እቲ ንጉስ ከዓ፥ “እንታይ ኢኺ ደሊኺ?” ኢሉ ጠየቓ።
17ቤርሳቤህ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ‘ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ’ ኢልካ ንኣይ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ኔርካ። 18ሕዚ ግና እንሆ፥ ኣዶንያስ ነጊሱ፥ ንስኻ፥ ጐይታይ ንጉስ ከዓ ነዙይ ኣይፈለጥካዮን። 19ንሱ ኣብዑርን ስቡሓት ጣዓውን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱ፥ ንዅሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ፀዊዕዎም ኣሎ። ንሰሎሞን ወድኻ ግና ኣይፀውዖን። 20ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ ንጉስ፥ እቲ ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋንካ ዝቕመጥ ክትነግሮም ኵሎም እስራኤል ንኣኻ ይፅበዩ ኣለዉ። 21እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ምስ ሞትካ፥ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመፅቲ ኽንቍፀር ኢና” በለቶ።
22እንሆ ድማ፥ ቤርሳቤህ ምስ ንጉስ ክትዛረብ እንተላ፥ ነቢይ ናታን ኣተወ። 23ንንጉስ ከዓ “ነቢይ ናታን እንሆ መፂኡ” ኢሎም ነገርዎ። ናታን ናብ ቤት ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፥ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።
24ሽዑ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ብድሕሬኻ ኣዶንያስ ከም ዝነግስ፥ ንሱ ድማ ኣብ ዙፋንካ ኸም ዝቕመጥዶ ኣዊጅካ ኢኻ? 25ንሱ ሎሚ ወሪዱ፥ ኣብዑርን ስቡሓት ጣዓዉን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱ፥ ንዅሎም ደቅኻን ንኣሕሉቕ ሰራዊትን ንኻህን ኣብያታርን ፀዊዕዎም ኣሎ፤ እኒሀዉ ኸዓ፥ ምስኡ ይበልዑን ይሰትዩን ኣለዉ፤ ‘ንጉስ ኣዶንያስ ህያው ይኹን’ ድማ ይብሉ ኣለዉ። 26ንኣይ ንኣገልጋሊኻን ንኻህን ሳዶቅን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ንወድኻ ሰሎሞንን ግና ኣይፀውዐናን። 27ብድሕሬኻ ኣብ ዙፋንካ ዝቕመጥ መን ከም ዝኾነ ንሹመኛታትካ ኣይነገርካናን። እዝ ነገርዙይ ጐይታይ ንጉስ ዲኻ ጌርካዮ?” በሎ።
ዳዊት ንሰሎሞን ከም ዘንገሶ
28ሽዑ ንጉስ ዳዊት “ንቤርሳቤህ ፀውዑለይ” በለ። ንሳ ኸዓ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ ኣትያ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት።
29እቲ ንጉስ ድማ “በቲ ንህይወተይ ካብ ኵሉ ፀበባ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። 30ከምቲ ‘ሰሎሞን ወድኺ ብድሕረይ ክነግስ እዩ፥ ንሱ ድማ ኽንዳይ ኣብ ዙፋነይ ክቕመጥ እዩ’ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሓልኩልኪ፥ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ” ኢሉ መሓለ።
31ሽዑ ቤርሳቤህ ተምበርኪኻ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ሰገደትሉ፤ “ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን” እውን በለት።
32ንጉስ ዳዊት ድማ፥ “ንኻህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ፀውዑለይ” በለ። ንሳቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ መፁ። 33ንሱ ኸዓ “ነቶም ሓለውተይ ምሳኻትኩም ተማሊእኹም፥ ንወደይ ሰሎሞን ከዓ ኣብ በቕለይ ኣቐሚጥኩም ናብ ሩባ ግዮን ኣውርድዎ። 34ኣብኡ ኸዓ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኹም ድማ ‘ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን’ በሉ።
35“ብድሕሪኡውን ተኸቲልኩምዎ ውፁ፤ ንሱ ኸዓ መፂኡ ኣብ ዙፋነይ ይቀመጥ እሞ ኽንዳይ ይንገስ፤ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ክነግስ ኣዚዘ እየ” በሎም።
36በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ንንጉስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ደኣ ኸምኡ ይበል እምበር፥ ከምቲ ዝበልካዮ ኽንገብር ኢና። 37እግዚኣብሄር ከምቲ ምሳኻ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፥ ከምኡ ኸዓ ምስ ሰሎሞን ይኹን፤ ንዙፋኑ ድማ ኻብ ዙፋንካ የዕብያ” ኢሉ መለሰ።
38ሽዑ ኻህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን በናያስ ወዲ ዮዳሄን እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ከሊታውያንን ፊሊታውያንን፥ ንሰሎሞን ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣቐሚጦም ብዓጀብ ናብ ግዮን ወሰድዎ። 39ካህን ሳዶቅ ድማ በቲ ኻብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘምፅኦ፥ ኣብ ቀርኒ ዝመልአ ዘይቲ ገይሩ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ኵሎም ህዝቢ ድማ፥ “ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን” በሉ። 40ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ዓጂቦምዎ ወፁ፤ ደርፊውን ይደርፉ ነበሩ፤ የመና ኸዓ ተሓጐሱ፤ ብወኻዕታኦም ድማ ምድሪ ተናወፀት።
41ኣዶንያስን ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ፅዉዓትን ድማ በሊዖም ምስ ወድኡ ድምፂ ሰምዑ። ኢዮኣብ ከዓ ድምፂ መለኸት ምስ ሰምዐ “እዝ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ወኻዕታ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቐ።
42ገና ኽዛረብ እንተሎ፥ እንሆ፥ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መፀ፤ ኣዶንያስ ድማ “ኣታ ፅቡቕ እተበስር ለባም ሰብ ኢኻ እሞ እቶ” በሎ።
43ዮናታን ከዓ ንኣዶንያስ ከምዙይ ኢሉ መለስ፦ “ኣይፋለይን፤ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ። 44እቲ ንጉስ ንኻህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያስ ወዲ ዮዳሄን ነቶም ሓለውቲ ንጉስ ክሊታውያንን ፊሊታውያንን ክዕጅብዎ ሰደዶም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣቐመጥዎ። 45ካህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ድማ ንጉስ ክኸውን ኣብ ግዮን ቀብእዎ። ካብኡ ኸዓ ብዕልልታ ዓጂቦምዎ ተመለሱ፥ እታ ኸተማ ድማ ብዕልልታ ኣጋወሐት፤ እቲ ዝሰማዕኹምዎ ድምፂ እዙይ እዩ። 46ሰሎሞን ከዓ ኣብ ዙፋን መንግስቲ ተቐመጠ። 47እቶም ሹመኛታት ቤተ መንግስቲ ድማ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ኣትዮም ንጐይታና ንጉስ ዳዊት ‘ኣምላኽካ ንሰሎሞን ካባኻ የብልፆ፤ ንዙፋኑ ኸዓ ኻብ ዙፋንካ የዕብዮ’ እናበሉ መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። 48ቀፂሉ ኸዓ ‘እቲ ኣዒንተይ እናረአያ ሎሚ ኣብ ዙፋነይ ዝቕመጥ ውሉድ ዝሃበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን’ በለ።”
49ሽዑ እቶም ኣዶንያስ ዝፀውዖም ኵሎም ፈርሑ፤ ተሲኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ መመንገዶም ከዱ። 50ኣዶንያስ ከዓ ንሰሎሞን ፈርሖ፤ ተሲኡ ድማ ኸደ፤ ቀርኒ መሰውኢውን ኣፅኒዑ ሓዘ። 51ኣገልገልቱ ድማ፥ ንሰሎሞን “እንሆ፥ ኣዶንያስ ንኣኻ ንንጉስ ፈሪሑ ቐርኒ መሰውኢ ሒዙ ኣሎ፤ ‘ንጉስ ሰሎሞን ንኣይ ንሓሽከሩ ብሰይፊ ኸይቐትለኒ ሎሚ ይምሓለለይ’ ይብል ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። 52ሰሎሞን ከዓ “ቅኑዕ ሰብ እንተ ኾይኑስ ካብ ፀጕሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ፤ ክፍኣት እንተ ተረኽቦ ግና፥ ክመውት እዩ” በለ። 53ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ኻብቲ መሰውኢ ኣምፅኦ። ንሱ ኸዓ መፂኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነስአሉ። ሰሎሞን ድማ “ናብ ገዛኻ ኺድ” በሎ።
Currently Selected:
1ይ ነገስት 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in