1ይ ቆሮንቶስ 4
4
ኣገልግሎት ሃዋርያት
1 #
ማቴ. 24፡45፥ 2 ቆሮ. 6፡4፥ ቈላ. 1፡25-27። እምበኣር ሰብ፥ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢራት እግዚኣብሄርን፥ ገይሩ ይቝፀረና። 2#1 ጴጥ. 4፡10። ኣብ ርእሲዙይ ከዓ፥ ኵሎም መገብቲ፥ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይግብኦም። 3ኣነ እኳ፥ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ፥ ግዲ የብለይን፤ ንባዕለይ እኳ ኣይፈርድን እየ። #4፡3 ግእዝ “ንስኻትኩም ብኣፍ መዋቲ ሰብ ከም ሕያዋይ ጌርኩም እንተ ኣፅደቕኩምንን እንተ ኣመስገንኩምንን፥ እዝ ብኣኻትኩም ምውዳስ ንኣይ ሓሳር እዩ” ይብል። 4#2 ቆሮ. 5፡10። ኣብ ልዕለይ ምንም ኣይፈልጥን እየሞ፤ በዙይ ግና፥ ንፁህ እየ ማለት ኣይኮነን። ጐይታ ጥራሕ እዩ ንኣይ ዝፈርደኒ። 5#ኢዮብ 12፡22፥ ማቴ. 7፡1፥ ሮሜ 2፡16፥ 1 ቆሮ. 3፡14። ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ #4፡5 ነናእዳኡ፦ ግእዝ “ዋግኡ” ይብል። ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።
6 #
ሮሜ 12፡3። ኣሕዋተይ፥ በቲ ሓደ ኽትምክሑ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ኽትንዕቑ ኣይግባእን እዩ። ነቲ “ካብ ፅሑፍ ኣይትሕለፍ” ዝብሎ፥ ካባና ምእንቲ ኽትመሃሩ ንጥቕምኹም ኢለ፥ ንባዕለይን ንኣጵሎስን፥ ከም ምሳሌ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ። 7#ዮሓ. 3፡27። ካብ ካልኦት ብሉፅ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ? 8#ራእይ 3፡17። ድሮ ኸዓ ፀገብኩም፤ ሃብተምኩምውን፤ ብዘይ ብኣና ድማ ነገስኩም፤ ንሕናውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስስ፥ ኣበይሞ ኸም ነገስኩም! 9#ሮሜ 8፡36፥ 1 ቆሮ. 15፡30-31፥ 2 ቆሮ. 6፡9። ኣነ ግና፥ እግዚኣብሄር ንኣና ንሃዋርያት፥ ከምቶም ንሞት ዝተፈርዱ፥ ድሕሪ ዅሎም ዝገበረና ይመስለኒ። ስለዙይ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን፥ መሳለቒ ዄንና ኣለና። 10#2 ቆሮ. 13፡9። ንሕና፥ ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፤ ንሕና ድኹማት፥ ንስኻትኩም ግና፥ ሓያላት ኢኹም፤ ንስኻትኩም ክቡራት፥ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። 11#2 ቆሮ. 11፡23-27። ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንጠምን ንፀምእን ንዓርቕን ንውቃዕን ኣለና፤ መሕደሪውን የብልናን። 12#ማቴ. 5፡44፥ ግ.ሓ. 18፡3፥ ሮሜ 12፡14፥ 1 ጴጥ. 3፡9። በእዳውና እናሰራሕና ንደክም ኣለና። ንዝፀርፉና ንምርቕ፥ ንዘሳጕጉና ንዕገስ፥ 13#ሰቆ. 3፡45፥ ሉቃ. 6፡22። ስምና ንዘኽፍኡ፥ ብጥዑም ቃል ንምልስ ኣለና። ክሳዕ ሕዚ ኸም ናይ ዓለም ጐሓፍን፥ ከም ናይ ዅሉ ነገር ጐድፍን ኴንና ኣለና።
14እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ከም ተፈተውቲ ደቀይ ክምዕደኩም እምበር፥ ከሕፍረኩም ኢለ ኣይኮንኩን። 15#1 ቆሮ. 9፡1-2። ሺሕ እኳ ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እንተ ሃለዉኹም፥ ብዙሓት ኣቦታት የብልኩምን። ወንጌል ብምብሳር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝወለድኩኹም ኣነ እየሞ። 16#1 ቆሮ. 11፡1፥ ፊልጵ. 3፡17፥ 1 ተሰ. 1፡6። ስለዙይ ንኣይ ምሰሉ እናበልኩ እልምነኩም ኣለኹ። 17#ግ.ሓ. 19፡22። በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኾነ መንገደይ ምእንቲ ኸዘኻኽረኩም፥ ነቲ ፍቑር ወደይን ብጐይታ እሙንን፥ ጢሞቴዎስ፥ ሰዲደልኩም ኣለኹ።
18ገሊኣቶም ግና፥ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመፅእ መሲልዎም፥ ብትዕቢት ዝተመልኡ ኣለዉ። 19እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱስ፥ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ፤ ሽዑ እቶም ዕቡያት ዝዛረብዎ ዘይኮነስ ሓይሎም ክርኢ እየ። 20#1 ቆሮ. 2፡4። መንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓይሊ እምበር፥ ብቓል ኣይኮነትንሞ። 21#2 ቆሮ. 13፡10። እንታይ ትደልዩ? ብበትሪዶ ወይ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመፀኩም?
Currently Selected:
1ይ ቆሮንቶስ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: