1ይ ቆሮንቶስ 2
2
መልእኽቲ ብዛዕባ ዝተሰቕለ ክርስቶስ
1ኣሕዋተይ፥ ኣነውን ናባኻትኩም ክመፅእ እንተለኹ፥ ብኽእለት ዘረባ ወይ ብጥበብ፥ ምስጢር እግዚኣብሄር ክሰብከልኩም ኣይመፃእኹን። 2#1 ቆሮ. 1፡17፥ ገላ. 6፡14። ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ እንትርፊ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሱውን እቲ ዝተሰቕለ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ ከይፈልጥ ወሲነ ነይረ እየሞ። 3#ግ.ሓ. 18፡9፥ 2 ቆሮ. 10፡10። ኣነ ኸዓ፥ ብድኻምን ብፍርሓትን ብብዙሕ ምንቅጥቃጥን እየ፥ ምሳኻትኩም ዝነበርኩ። 4ቃለይን ስብከተይን፥ ንመንፈስ ቅዱስን ሓይሉን ዝገልፅ እምበር፥ ብዝጥብር ቃል ጥበብ ኣይነበረን። 5#1 ቆሮ. 4፡20፥ 2 ቆሮ. 4፡7፥ 1 ተሰ. 1፡5። እዙይ ከዓ፥ እምነትኩም፥ ኣብ ሓይሊ እግዚኣብሄር እምበር፥ ኣብ ጥበብ ሰብ፥ ዝተመስረተ ምእንቲ ኸይኸውን እዩ።
ጥበብ እግዚኣብሄር
6ኣብ ማእኸል እቶም ለባማት ዝኾኑ ግና፥ ጥበብ ንናገር ኢና፤ እቲ እንናገሮ ግና፥ ጥበብ እዛ ዓለም፥ ወይ ጥበብ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን። 7#1 ቆሮ. 1፡20፥ ኤፌ. 3፡9፥ ቈላ. 1፡26፥ ዕብ. 5፡14። ንሕናስ፥ እቲ እግዚኣብሄር ቅድሚ ዘመናት ንኽብርና ዘዳለዎ፥ ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር ንዝኾነ፥ ጥበብ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ። 8#ሉቃ. 23፡34፥ ግ.ሓ. 3፡17፥ 2 ቆሮ. 3፡14። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ሓደኳ ነዝ ጥበብ እዙይ ኣይፈለጦን፤ እንተ ዝፈልጡስ፥ ነቲ ጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም።
9 #
ኢሳ. 64፡4። ግና እቲ ፅሑፍ፦
“ዓይኒ ዘይረአዮ፥
እዝኒ ዘይሰምዖ፥
ልቢ ሰብውን ዘይሓሰቦ፥
እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈትውዎ ዘዳለወሎም” ይብል።
10 #
ማቴ. 13፡11፥ ዮሓ. 14፡26። ንኣና ግና፥ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ገይሩ ገለፀልና፤ እቲ መንፈስ ቅዱስ፥ ንዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ዓሚቝ ምስጢር፥ ዝምርምር እዩ እሞ። 11እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ዝፈልጥ የለን። ከምኡውን፥ መንፈስ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኮይኑ፥ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘሎ ሓሳብ፥ ሓደኳ ዝፈልጦ የለን። 12#ዮሓ. 16፡14፥ ሮሜ 8፡15። ንሕና ግና፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ዝሃበና ፀጋ ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ መንፈስ ደኣ ተቐበልና እምበር፥ ናይዝ ዓለም መንፈስ ኣይተቐበልናን። 13ንሕና ኸዓ፥ መንፈሳዊ ነገር፥ ምስ መንፈሳውያን ሰባት እናሰማማዕና፥ #2፡13 መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳውያን ሰባት እናሰማማዕና፦ ወይ “መንፈሳዊ ሓቂ ብመንፈሳዊ ቋንቋ እናገለፅና” ጥበብ ሰብ ብዝምህረሉ ቓል ዘይኮነስ፥ መንፈስ ቅዱስ ብዝምህረሉ ቓል፥ ንዛረብ ኣለና። 14#ማቴ. 16፡23፥ ዮሓ. 14፡17፥ ሮሜ 8፡7፥ 1 ቆሮ. 1፡18፥23። እቲ ስጋዊ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ። 15ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ ግና፥ ንዅሉ ይምርምር፤ ንሱ ግና ብሓደኳ ኣይምርመርን እዩ።
16 #
ኢሳ. 28፡5፥ 40፡13፥ ዮሓ. 15፡15፥ 1 ዮሓ. 2፡17። “ንእግዚኣብሄር ክምህሮ ኢሉስ፥ ንልቡ ዝፈልጥ መን እዩ?” ንሕና ግና ናይ ክርስቶስ ልቢ ኣለና።
Currently Selected:
1ይ ቆሮንቶስ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: