YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ቆሮንቶስ 16

16
ንድኻታት ምእመናን ዝዋፃእ ገንዘብ
1 # ግ.ሓ. 11፡29። ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ክኸውን ዝዋፃእ ገንዘብ ድማ፥ ኣብ ገላትያ ንዘለዉ ምእመናን ከም ዝሰራዕኽዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። 2እቲ ምውፃእ ገንዘብ፥ ኣነ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም እቶቱ ኣዋህሊሉ፥ ኣብ ገዛኡ የቐምጥ። 3ኣነ ምስ መፃእኹ ድማ፥ ነቲ ውህብቶኹም ናብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኸብፅሑ፥ ነቶም ዝሓረኹምዎም ሰባት መልእኽቲ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። 4ኣነ ክኸይድ ዘድሊ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ምሳይ ይኸዱ።
5 # ግ.ሓ. 19፡21። ብመቄዶንያ ኽሓልፍ እየሞ፥ ናብ መቄዶንያ እንትሓልፍ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ። 6#ግ.ሓ. 20፡3። ናብቲ ዝኸዶ ዓዲ ምእንቲ ኽተፋንዉኒ፥ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እፀንሕ ወይ እኸርም እኸውን እየ። 7ከም ሓላፊ መንገዲ ኾይነ ኽሪአኩም ኣይደልን እየሞ፥ እግዚኣብሄር እንተ ፈቒድዎ፥ ቁሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ክፀንሕ ተስፋ ኣለኒ። 8ግና ኽሳዕ በዓለ ሓምሳ፥ ኣብ ኤፌሶን ክፀንሕ እየ። 9#ግ.ሓ. 19፡1፥10፥ 14፡27። ዓቢይን ፍረ ዘለዎን ኣፍ ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፤ ተፃረርተይ ግና ብዙሓት እዮም።
10 # 1 ቆሮ. 4፡17። ጢሞቴዎስ እንተ መፀ ኸዓ፥ ከምዝ ኸማይ ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ እዩ ዝሰርሕ እሞ፥ ብዘይ ፍርሓት ምሳኻትኩም ክቕመጥ ተጠንቀቑሉ። 11#1 ጢሞ. 4፡12። ሓደኳ ኣይንዓቆ፤ ምስቶም ኣሕዋት ክመፅእ እፅበዮ ኣለኹ እሞ፥ ዘድልዮ ሂብኩም ብሰላም ኣፋንውዎ።
12 # ግ.ሓ. 18፡24፥ 1 ቆሮ. 3፡4-5። ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ኸዓ፥ ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ብዙሕ ለሚነዮ ነይረ፤ እንተ ኾነ ፍቓዱ ስለ ዘይኮነ፥ ሕዚ ኽመፅእ ኣይደለየን፤ ምስ መቸዎ ግና ኽመፅእ እዩ።
ምኽርን ሰላምታን መደምደምታን
13 # ማቴ. 25፡13። ንቕሑ፤ ኣብ እምነትኩም ፅንዑ፤ በርትዑ፤ ጠንክሩ፤ 14#ቈላ. 3፡14። ኵሉ ነገር ብፍቕሪ ግበርዎ።
15ኣሕዋተይ፥ ስድራ እስጢፋኖስ፥ ኣብ ሃገር ኣካይያ ቐዳሞት ኣመንቲ ኸም ዝኾኑን፥ ንቅዱሳን ኸገልግሉ ንርእሶም ከም ዘወፈዩን ትፈልጡ ኢኹም። 16#1 ቆሮ. 1፡16፥ 1 ተሰ. 5፡12። ንስኻትኩም ከዓ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን፥ ነቶም ምሳና ዝሰርሑን ዝፅዕሩን፥ ክትእዘዝዎም እምዕደኩም ኣለኹ። 17እስጢፋኖስን ፈርዶናጡስን ኣካይቆስን ብምምፅኦም ሕጉስ እየ። ክንዳኻትኩም ኮይኖም፥ ነቲ ዝጐደለኒ መሊኦምለይ ኢዮምሞ። 18ንመንፈሰይን ንመንፈስኩምን ኣዕሪፎም እዮም እሞ፥ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም። 19#ግ.ሓ. 18፡2። እተን ኣብ እስያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣቂላን ጵርስቅላን ምስታ ኣብ ቤቶም እትእከብ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ብጐይታ ብዙሕ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 20#ሮሜ 16፡16። ኵላቶም እቶም ኣሕዋት፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ።
21 # ገላ. 6፡11፥ ቈላ. 4፡18። እዛ ሰላምታ እዚኣ፥ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝፀሓፍክዋ እያ። 22#ራእይ 22፡20። ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ዝተረገመ ይኹን። ማራናታ! #16፡22 ማራናታ፦ “ኦ ጐይታና፥ ነዓ” ማለት እዩ። 23ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 24ፍቕረይ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in