YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ቆሮንቶስ 15

15
ትንሳኤ ክርስቶስ
1ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፥ ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን፥ ብእኡ ድማ ፀኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ። 2#ሮሜ 1፡16፥ 1 ቆሮ. 1፡21። ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ቃል፥ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩምዎ እንተ ሃሊኹምስ፥ ብእኡ ድሒንኩም ኢኹም፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እምነትኩም ከንቱ እዩ።
3 # ሉቃ. 24፡46፥ ሮሜ 4፡25፥ 1 ቆሮ. 11፡23፥ ገላ. 1፡12። ነቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ፥ ቅድሚ ዅሉ ኣመሓላሊፈልኩም እየ፤ ከምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ፦ “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፤ 4#ማቴ. 12፡40፥ መዝ. 16፡10፥ ኢሳ. 53፡9። ተቐበረውን” ኸምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ ኸዓ “ብሳልሳይ መዓልቲ ተስአ” 5#ሉቃ. 24፡34፥ ዮሓ. 20፡19፥ ግ.ሓ. 10፡40-41። ንጴጥሮስ ተርኣዮ፤ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተ ኽልተ #15፡5 ዓሰርተ ኽልተ፦ ገሊኣቶም ብራናታት “ዓሰርተ ሓደ” ይብሉ። ተርአዮም። 6ብድሕሪኡ፥ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዝበዝሑ ኣሕዋት፥ ብሓደ ጊዜ ተርአየ፤ ካብኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኽሳዕ ሎሚ ኣለዉ፤ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም እዮም። 7ብድሕሪኡ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ንዅላቶም ሃዋርያት ተርአየ። 8#ግ.ሓ. 9፡3-6፥ 1 ቆሮ. 9፡1። ድሕሪ ዅላቶም ድማ፥ ብዘይ መዓልቱ ዝተወለደ ንዝመስል ንኣይ ተርኣየኒ። 9#ግ.ሓ. 8፡3፥ ኤፌ. 3፡8። ኣነ ኻብ ኵላቶም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ዘሳጐጕክዋ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ሃዋርያ ኽበሃል ዘይግብአኒ እየ። 10#2 ቆሮ. 3፡5፥ ገላ. 2፡8፥ ኤፌ. 3፡7። እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን። 11እምበኣር ኣነ ኾንኩ ንሳቶም፥ ነዙይ ኢና እንሰብኽ ዘለና፤ ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝኣመንኩም።
ትንሳኤ ሙታን
12ክርስቶስ ካብ ሙታን ከም ዝተስአ ኻብ ተሰበኸ፥ ከመይ ኢሎም ደኣ ኻባኻትኩም፥ ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ዘለዉ? 13እምበኣር ትንሳኤ ሙታን ዘየለ እንተ ኾይኑስ፥ ክርስቶስውን ኣይተስአን። 14#ሮሜ 6፡4-11። ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ስብከትና ኸንቱ እዩ፤ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። 15#ግ.ሓ. 2፡32። እግዚኣብሄር ንክርስቶስ ከም ዘተስኦ መስኪርና ኔርና፤ ንምዉታን ዘየተስኦም እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ እምበኣር ንክርስቶስውን ኣየተስኦን። ንሕና ኸዓ ሓሰውቲ መሰኻኽር እግዚኣብሄር ኴንና ንርከብ ኣለና። 16ንምዉታን ዘየተስኦም እንተ ኾይኑ፥ ክርስቶስውን ኣይተስአን። 17ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ እምነትኩም ከንቱ እያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም። 18#1 ተሰ. 4፡14-16። እምበኣር እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ኸዓ፥ ጥፉኣት እዮም። 19ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ እነሕዝን ኢና። #15፡19 ግእዝ “ምሕረትና ኻብ ኵሉ ሰብ እምብዛ ዝበዝሕ ምኾነ ነይሩ” ይብል።
20 # ግ.ሓ. 26፡23፥ ቈላ. 1፡18፥ ራእይ 1፡5። ክርስቶስ ግና ኻብ ሞት ተስአ፤ በዙይ ከዓ፥ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሳኤ ኾነ። 21#ዮሓ. 11፡25፥ ሮሜ 5፡12፥ 6፡23። ስለዙይ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሞት ዝመፀ፥ ከምኡ ኸዓ ትንሳኤ ሙታን፥ ብሓደ ሰብ እዩ ዝመፀ። 22ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፥ ከምኡ ድማ፥ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ክኾኑ እዮም። 23ግና ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፤ ኣቐዲሙ ክርስቶስ ተስአ፤ ደሓር ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ እቶም ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ክትስኡ እዮም። 24ክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ስዒሩ፥ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣብ ምስ ወፈያ፥ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ። #15፡24 ግእዝ “እግዚኣብሄር ኣብ መንግስቱ ምስ ተወፈየ ዅሉ ንጉስን ገዛእን ሓይልን ምስ ተስዓረ፥ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ” ይብል። 25#መዝ. 2፡6-9፥ 110፡1፥ ዳን. 2፡44፥ 7፡14፥ ማቴ. 28፡18፥ ራእይ 11፡17። ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ። 26#ራእይ 20፡14። እቲ ኽሰዓር ዘለዎ ናይ መወዳእታ ፀላኢ ኸዓ፥ ሞት እዩ። 27#መዝ. 8፡6። መፅሓፍ “እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚኡሉ እዩ” ይብል፤ እንተ ኾነ፥ “ኵሉ ኣግዚኡሉ እዩ” ኽብል እንተሎ ግና፥ ነቲ ኸም ዝግዝኦ ንዝገበረ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከም ዘይምልከት ግሁድ እዩ። 28#ኤፌ. 4፡6። ኵሉ ምስ ተገዝአሉ ግና፥ ኣምላኽ ኵሉን ኣብ ኵሉን ምእንቲ ክኸውን፥ ወልድ ባዕሉ፥ ነቲ ዅሉ ዘግዝአሉ ኽግዛእ እዩ።
29እንተ ዘይኮነ፥ እቶም ክንዲ ምዉታን ዝጥመቑ ደኣ፥ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ብሱሩ ምዉታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖምከ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኽንድኣቶም ዝጥመቑ? #15፡29 ግእዝ “እንተ ዘይኮይኑ ድኣ ንምንታይ የጥምቑ? ሙታን ክትስኡዶ ኣይኮነን? ዘይትስኡ እንተ ደኣ ኾይኖም ንምንታይ ዘጥምቑ?” ይብል። 30#ሮሜ 8፡36፥ 2 ቆሮ. 1፡9። ስለ ምንታይከ ንሕና ዅሉ ጊዜ ንመከራ እንቃላዕ? 31#2 ቆሮ. 4፡10-11። ኣሕዋተይ፥ ኣነ በብመዓልቱ ሞት ዘጋጥመኒ ዘሎ፥ በቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸም ዝኾነ፥ ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ። 32#ኢሳ. 22፡13። ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተ ኾይኑ፥ ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝተዋጋእኹ ደኣ፥ እንታይ እዩ ረብሓይ? ምውታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖም ግና፥ ከምቲ “ዒራ ፅባሕ ክንመውት ኢናሞ ንብላዕ ንስተ” ዝብልዎዶ ኣይምኾነን? 33ኣይትታለሉ፤ ሕማቕ ዕርክነት ንፅቡቕ ባህርይ የበላሽዎ እዩ። 34ቅንዕና ንምግባር ተበራበሩ፤ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ፤ ገሊኣቶም ካባኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎ ኣለዉሞ፥ ምእንቲ ኽትሓፍሩ ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።
ብዛዕባ ኻብ ሞት ምትሳእ
35ገሊኡ ሰብ ግና “ምዉታን ከመይ ኢሎም እዮም ዝትስኡ? ከመይ ዝበለ ሰብነትከ እዩ ኽህልዎም?” ዝብል ይህሉ ይኸውን። 36#ዮሓ. 12፡24። ኣታ ዓሻ! እቲ ንስኻ እትዘርኦ እንተይሞተ፥ ህይወት ኣይረክብን እዩ። 37እቲ እትዘርኦ ድማ፥ ናይ ስርናይ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራሕ እዩ እምበር፥ ነቲ ዝኸውን ኣካል ኣይኮንካን እትዘርኦ። 38ኣምላኽ ግና፥ ከም ዝደለዮ ገይሩ እዩ ኣካል ዝህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን፥ ነናቱ ኣካል ይህቦ። 39ስጋ ሰብ በይኑ፥ ስጋ እንስሳ በይኑ፥ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፥ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፥ ኵሉ ስጋ ሓደ ዓይነት ኣይኮነንሞ። 40ሰማያዊ ኣካል ኣሎ፤ ምድራዊ ኣካል ከዓ ኣሎ፤ ግና ኽብሪ እቲ ሰማያዊ በይኑ፥ ክብሪ እቲ ምድራዊውን በይኑ እዩ። 41ክብሪ ፀሓይ በይኑ፥ ክብሪ ወርሒ በይኑ፥ ክብሪ ኸዋኽብቲ እውን በይኑ እዩ፤ ብኽብርስ፥ ኮኸብውን ካብ ኮኸብ ይበልፅ እዩ።
42ትንሳኤ ሙታንውን ከምኡ እዩ፤ ብዝብስብስ ይዝራእ፤ ብዘይብስብስ ከዓ ይትስእ። 43#ፊልጵ. 3፡20-21። ብውርደት ይዝራእ፤ ብኽብሪ ይትስእ። ብድኻም ይዝራእ፤ ብሓይሊ ይትስእ። 44ስጋዊ ኣካል ይዝራእ፥ መንፈሳዊ ኣካል ይትስእ። ስጋዊ ኣካል እንተ ሃልዩ፥ መንፈሳዊ ኣካልውን ኣሎ። 45#ዘፍ. 2፡7፥ ዮሓ. 5፡21። “እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም፥ ህያው ነፍሲ ኾነ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ። 46ግና ቕድም እቲ ስጋዊ፥ ደሓር ከዓ፥ እቲ መንፈሳዊ እዩ እምበር፥ እቲ መንፈሳዊ መጀመርታ ኣይኮነን። 47#ዘፍ. 3፡19፥ ዮሓ. 3፡31። እቲ ቐዳማይ ሰብ፥ ካብ መሬት ስለ ዝኾነ መሬታዊ እዩ፤ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ኻብ ሰማይ እዩ። 48እቶም መሬታውያን ከምቲ መሬታዊ እዮም፤ እቶም ሰማያውያን ድማ፥ ከምቲ ሰማያዊ እዮም። 49#ሮሜ 8፡29፥ 2 ቆሮ. 3፡18፥ 1 ዮሓ. 3፡2። ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበስና፥ ከምኡ ድማ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ኽንለብስ ኢና።
50 # ዮሓ. 3፡3-6፥ 1 ቆሮ. 6፡9። ግና ኣሕዋተይ፥ ስጋን ደምን፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክወርስ ከም ዘይከኣሎ፥ እቲ መዋታይ ነቲ ዘይመውት ከም ዘይወርስ፥ እነግረኩም ኣለኹ። 51-52#ማቴ. 24፡31፥ 1 ተሰ. 4፡14-17፥ ራእይ 11፡15። እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ፥ ኵላትና ብሓንሳእ ብቕፅበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር፥ ኵላትና ኣይንድቅስን ኢና። እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ምዉታን ድማ፥ ዘይሞቱ ኾይኖም ክትስኡ #15፡51-52 ዘይሞቱ ኾይኖም ክትስኡ፦ ግእዝ “ኣካል እንተይጐደሎም ክትስኡ” ይብል። እዮም፤ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። 53#2 ቆሮ. 5፡4። እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ከዓ ዘይመውት ክለብስ ይግብኦ እዩሞ። 54#ኢሳ. 25፡8። እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ዘይመውት ምስ ለበሰ፥ ሽዑ፦
“ሞት ተሸኒፉ ተውሓጠ”
ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ቓል ክፍፀም እዩ።
55 # ሆሴዕ 13፡14። “ኦ ሞት፥ መውግኢኻ ኣበይ ኣሎ?
ሲኦልከ ኣሸናፊነትካ ኣበይ ኣሎ?” #15፡55 ግእዝን ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን “ኦ ሞት፥ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ? ኦ ሲኦል፥ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ?” ይብሉ።
56 # ሮሜ 4፡15፥ 6፡23። ናይ ሞት መውግኢ፥ ሓጢኣት እዩ፤ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ ኸዓ፥ ሕጊ እዩ። 57#ሮሜ 8፡1-2፥ 1 ዮሓ. 5፡4-5። ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ። 58ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in