YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ቆሮንቶስ 14

14
ኣጠቓቕማ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስ
1 # 1 ቆሮ. 12፡10፥ 1 ተሰ. 5፡20። ንፍቕሪ ሰዓብዋ፤ ንመንፈሳዊ ውህብቶታት፥ ብሕልፊኳ ኽትንበዩ ኣብሊፅኩም ተመነዩ። 2#ግ.ሓ. 10፡46። ብቛንቋታት ዝዛረብ ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝዛረብ፤ ነቲ ዝዛረቦ ዘስተውዕሎ ሓደኳ የለን፤ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ፥ ምስጢራት እዩ ዝዛረብ። 3ትንቢት ዝንበ ግና፥ ንሰብ ዝሃንፅን ዘተባብዕን ዘፀናንዕን እዩ ዝዛረብ። 4ብቛንቋታት ዝዛረብ ንባዕሉ ይሃንፅ፤ ትንቢት ዝናገር ግና፥ ንቤተ ክርስቲያን ይሃንፅ። 5#ዘሑ. 11፡29። ሕዚ ኸዓ ዅልኻትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፥ ብሕልፊኳ ኽትንበዩ ድልየተይ እዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኽትህነፅ፥ ነቲ ብቛንቋታት ዝተዛረቦ እንተ ዘይተተርጐመ፥ ካብቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ እቲ ዝንበ ይበልፅ።
6ሕዚ ግና ኣሕዋተይ፥ ብራእይ ወይ ብፍልጠት፥ ወይ ብትንቢት ወይ ብትምህርቲ ዘይኮነስ፥ ናባኻትኩም መፂአ ብቛንቋታት እንተ ተዛረብኩ፥ እንታይ ምጠቐምኩኹም? 7እቲ ህይወት ዘይብሉ፥ ከም እምብልታ ወይ መሰንቆ ዝመሰለ፥ ዝደምፅ ነገራት፥ ፍሉይ ዝኾነ ቃና እንተ ዘየስምዐ፥ እቲ ብእምብልታ ወይ ብመሰንቆ ዝተቓነየ እንታይ ምዃኑ ይፍለጥ? 8መለኸትከ ዘይፍሉጥ ድምፂ እንተ ኣስምዐ፥ መን እዩ ንውግእ ዝስለፍ? 9ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም፥ ሰብ ብዘይርድኦ ቛንቋ እንተ ተዛረብኩም፥ ነቲ ዝተዛረብኩምዎ፥ መን ክርድኦ ይኽእል? ምስ ንፋስ ከም ዝዛረብ ኢኹም እትኾኑ። 10ኣብ ዓለም፥ በበይኑ ዝኾነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፤ ትርጕም ዘይብሉ ግና የለን። #14፡10 ግእዝ “ኣብዝ ዓለም ዘረባኦምን ቋንቋኦምን በበይኑ ዝኾነ ብዙሓት ኣህዛብ ኣለዉ። ኵላቶም በብቛንቋኦም ይዛረቡ” ይብል። 11እምበኣር ኣነ ናይቲ ዝተነግረ ቛንቋ ትርጕም ዘይፈልጥ እንተ ኾይነ፥ ነቲ ኣነ ዝዛረቦ፥ ባዕዲ እየ ዝኾኖ፤ እቲ ዝዛረብ ከዓ፥ ባዕዲ እዩ ዝኾነኒ። 12ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ውህብቶታት መንፈስ፥ ሃረር እትብሉ ኻብ ኮንኩም፥ እቶም ንቤተ ክርስቲያን ዝሃንፁ ውህብቶታት ክበዝሑልኩም ድለዩ።
13ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ ምትርጓም ምእንቲ ክኽእል ይፀሊ። 14ብቛንቋታት እንተ ፀለኹ፥ መንፈሰይ እዩ ዝፅሊ፤ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ። 15እሞ እንታይ ደኣ ኽገብር? ብመንፈስ ክፅሊ፥ ብኣእምሮይውን ክፅሊ እየ፤ ብመንፈስ ክዝምር፥ ብኣእምሮይውን ክዝምር እየ። 16እንተ ዘይኮነ፥ ብመንፈስ ክትባርኽ እንተለኻ፥ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዘይርድኦ ሰብ፥ ነቲ እትብሎ እንተ ዘይፈለጦ፥ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ “ኣሜን” ክብል ይኽእል? 17ንስኻ ፅቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣለኻ፤ እቲ ኻልእ ግና ኣይህነፀሉን።
18ካብ ዅልኻትኩም ብዝበለፀ፥ ብቛንቋታት ስለ ዝዛረብ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኖ እየ። 19ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግና፥ ንኻልኦት ምእንቲ ኽምህር፥ ብቛንቋታት እልፊ ቓላት ካብ ዝዛረብ፥ ብኣእምሮ ሓሙሽተ ቓላት ክዛረብ እፈቱ።
20 # ማቴ. 10፡16፥ ኤፌ. 4፡14። ኣሕዋተይ፥ በተሓሳስባኹም ከም ህፃናት ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ህፃናት ኩኑ እምበር፥ በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ። 21#ኢሳ. 28፡11-12። ኣብ ኦሪት፦
“ ‘ነዝ ህዝቢ እዙይ ብኻልእ ዝቛንቋኣቶም ሰባትን፥
ብኣፍ ጓኖትን #14፡21 ብኻልእ ዝቛንቋኣቶም ሰባትን፥ ብኣፍ ጓኖትን፦ ግእዝ “ብኻልእ ቋንቋን ብኻልእ ከናፍርን” ይብል። ገይረ ኽዛረቦም እየ፤
ምስ እዝ ዅሉ እኳ፥ ኣይሰምዑንን እዮም’ ይብል እግዚኣብሄር”
ተብሂሉ ተፅሒፉ ኣሎ።
22ስለዙይ ብቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቶም ዝኣምኑ ዘይኮነስ፥ ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ፤ ትንቢት ከዓ ነቶም ዘይኣምኑ ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝኣምኑ እዩ።
23እታ ቤተ ክርስቲያን ብምልእታ ምስ ተኣከበት፥ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ብቛንቋታት እንተ ዝዛረብ እሞ፥ ዘይተምሃሩ ወይ ዘይኣምኑ ሰባት እንተ ዝመፁ፥ “እዚኣቶም ዓቢዶም እዮም” ኣይምበልዎምንዶ? 24#ኤፌ. 5፡13፥ ዕብ. 4፡12። ኵላቶም እንተ ዝንበዩ ግና፥ ሓደ ዘይኣምን ወይ ዘይተምሃረ እንተ ዝኣቱ፥ በቲ ዅላቶም ዝብልዎ ምተወቕሰ፤ በቲ ዅሎም ዝብልዎውን ምተፈርደ። 25#ዳን. 2፡47፥ ዘካ. 8፡23፥ ዮሓ. 4፡19። እቲ ኣብ ልቡ ዝተሰወረ ነገርውን ምተገልፀ፤ “ብርግፅ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣሎ” እናበለ ድማ፥ ብገፁ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ምሰገደ።
ስነ ስርዓት ኣብ ቤተ ክርስቲያን
26 # ኤፌ. 4፡12። እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ እንታይ ይሐይሽ? ክትእከቡ እንተለኹም፥ ንስንሳቱ መዝሙር ኣለዎ፤ ትምህርቲ ኣለዎ፤ ራእይ ኣለዎ፤ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ኣለዎ፤ ትርጉም ኣለዎ፤ #14፡26 ኣብ ግእዝ “ድርሰታት ኣለኩም” ዝብል ይርከብ። ዅሉ ውህብቶ፥ ንምሕናፅ ይገበር። 27ብቛንቋታት ዝዛረቡ እንተ ሃልዮም፥ ክልተ፥ እንተ በዝሑ ኸዓ ሰለስተ በብተራ ይዛረቡ፤ ሓደ ድማ ይተርጕሞ። 28ተርጓሚ እንተ ዘየለ ግና፥ እቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ይበል፤ ንባዕሉን ንእግዚኣብሄርን ጥራሕ ይዛረብ። 29#1 ተሰ. 5፡19-21። ነቢያት ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም በብተራ ይዛረቡ፤ እቶም ካልኦት ድማ ይመርምሩ። 30ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ፥ ንሓደ ራእይ እንተ ተገልፀሉ ግና፥ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31ኵላቶም ምእንቲ ኽመሃሩ፥ ኵላቶምውን ምእንቲ ኽተባብዑስ፥ ኵልኻትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም። 32እቶም መናፍስቲ ነቢያት ነቶም ነቢያት ይግዝእዎም #14፡32 መናፍስቲ ነቢያት ነቶም ነቢያት ይግዝእዎም፦ ግእዝ “መንፈስ ነቢያት ንነቢያት ይእዘዝ” ይብል። እዮም እሞ። 33እግዚኣብሄር ናይ ሰላም ኣምላኽ እምበር፥ ናይ ሁከት ኣምላኽ ኣይኮነን። ኣብ ኵለን ናይ ቅዱሳን ኣብያተ ክርስቲያናት ከምዙይ እዩ።
34 # ዘፍ. 3፡16፥ 1 ጢሞ. 2፡12። ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክዛረባ ኣይተፈቐደለንን እዩ እሞ፥ ስቕ ይበላ። ግና ኸምቲ ሕጊ ሙሴ ዝብሎ ይተኣዘዛ። 35ክመሃራ እንተ ደለያ ኸዓ፥ ኣብ ገዛኣተን ንሰብኡተን ይጠይቓ፤ ንሰበይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ።
36ቃል እግዚኣብሄር ካባኻትኩም ድዩ ወፂኡ? ወይ ኣባኻትኩም ጥራሕ ድዩ በፂሑ? 37ሓደ “ኣነ ነቢይ እየ” ወይ “መንፈሳዊ ውህብቶ ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ምዃኑ ይፍለጥ። 38ነዙይ ኽፈልጥ ዘይደሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱውን ኣይፍለጥን። #14፡38 ንሱውን ኣይፍለጥን፦ ገሊኡ ብራናታት “ኣይፍለጥ” ይብል።
39ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ክትንበዩ ሃረር በሉ፤ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልክሉ፤ 40እንተ ኾነ ዅሉ ብስርዓትን ብኣገባብን ደኣ ይኹን።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in