1ይ ቆሮንቶስ 13
13
ብዛዕባ ፍፁም ፍቕሪ
1ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ተዛረብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከም ዝደምፅ ነሃስ፥ ወይ ጭልጭል ከም ዝብል ፀናፅል እየ። 2#ማቴ. 17፡20። ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ። 3#መሃ. 8፡7፥ ማቴ. 6፡1-4። ኵሉ ገንዘበይውን ንድኻታት እንተ ዓደልኩ፥ ሰብነተይ ብሓዊ ንምቅፃል ኣሕሊፈ እንተ ሃብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ሓደኳ ኣይጠቕመንን እዩ።
4 #
ሮሜ 13፡10። ፍቕሪ ይዕገስ፤ ፍቕሪ ይርህርህ፤ ፍቕሪ ኣይቐንእን፤ ፍቕሪ ኣይምካሕን፤ ኣይዕበይን። 5#1 ቆሮ. 10፡24። ፍቕሪ ዘይግባእ ኣይገብርን፤ ፍቕሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣይብልን፤ ፍቕሪ ኣይበሳጮን፤ ፍቕሪ ኣይቕየምን። 6#ሮሜ 12፡9። ፍቕሪ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር፥ ብዓመፅ ባህ ኣይብሎን። 7#ምሳ. 10፡12፥ ሮሜ 15፡1፥ 1 ጴጥ. 4፡8። ፍቕሪ ንዅሉ ይፀውር፤ ንዅሉ ይኣምን፤ ብዅሉ ድማ ተስፋ ይገብር፤ ንዅሉውን ይዕገስ።
8ትንቢት እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ኽሰዓር እዩ፤ ምዝራብ ቋንቋታት እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ኽውዳእ እዩ፤ ፍልጠት እንተ ሃልዩውን፥ ንሱ ኽሰዓር እዩ፤ ፍቕሪ ግና ኸቶ ኣየቋርፅን እዩ። 9እቲ እንፈልጦ ኾነ እንንበዮ፥ ምሉእ ኣይኮነን። 10ግና እቲ ፍፁም ዝኾነ ምስ መፀ፥ እቲ ጐደሎ ኽሰዓር እዩ። 11ቈልዓ ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ኸም ቈልዓ እዛረብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓ እሓስብ ነበርኩ፤ ከም ቈልዓውን እመራመር #13፡11 እመራመር፦ ግእዝ “እመክር” ይብል። ነበርኩ፤ ምስ ዓበኹ ግና፥ ነቲ ነገር ቍልዕነት ሓደግክዎ። 12#1 ቆሮ. 8፡3፥ 1 ዮሓ. 3፡2። ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣይ ዝፈልጠኒ፥ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ።
13 #
ቈላ. 3፡14። እምበኣር እምነት፥ ተስፋ፥ ፍቕሪ፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ፀኒዖም ይነብሩ፤ ካብዚኣቶም ዝዓቢ ግና ፍቕሪ እዩ።
Currently Selected:
1ይ ቆሮንቶስ 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in