1ይ ዜና 28
28
ዳዊትን ኣሰራርሓ ቤተ መቕደስን
1ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤል፥ ነቶም ዋናታት ነገዳትን ኣሕሉቕ እቶም ንንጉስ ዘገልግሉ ሰራዊትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን፥ ነቶም ናይ ንጉስን ደቁን ገንዘብን ከፍትን ሃብትን ዘመሓድሩን፥ ነቶም ሹመኛታትን ነቶም ጀጋኑ ሰባትን ንዅሎም ሓያላት ተዋጋእትን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።
2ሽዑ ንጉስ ዳዊት ብእግሩ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፥ ስምዑኒ፤ ኣነ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እግሩ ዘዕርፈላ ንታቦት ኪዳን ዝኸውን ቤት ክሰርሕ ሓሲበ ነይረ። ዘድሊ ምድላውውን ገይረ ነይረ። 3ኣምላኽ ግና ‘ንስኻ ናይ ኲናት ሰብ ኢኻ፤ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ’ በለኒ።
4“ግና ናይ እስራኤል ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ካብ ኵሉ ቤት ኣቦይ ሓረየኒ፤ ንይሁዳ መራሒ ክኸውን ሓርይዎ እዩሞ፥ ካብ ቤት ይሁዳውን ንቤት ኣቦይ ሓረያ፤ ካብ መንጎ ኣሕዋተይ ከዓ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ክነግስ መረፀኒ። 5እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ። ካብ ኵሎም ደቀይ ድማ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዙፋን እቲ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤል ክቕመጥ ሓረዮ። 6ከምዙይ ከዓ በለኒ፦ ‘ንወድኻ ሰሎሞን ውሉድ ክኾነኒ ሓርየዮ እየ፤ ኣነውን ኣቦ ክኾኖ እየ፤ ንሱ ቤተይን ኣፀዳተይን ክሰርሕ እዩ። 7#2 ዜና. 7፡1-16፥ 1 ዜና. 17፡1-14። ንሱ ኸምቲ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ብትእዛዛተይን ሕግጋተይን እንተ ነበረ፥ ነታ መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዓ እየ።’
8“ሕዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እግዚኣብሄር ዝኾነ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ኣሰምዐልኩም ኣለኹ። ኣብዛ ዝወረስኩምዋ ፅብቕቲ ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ብድሕሬኹምውን ንደቅኹም ንዘለኣለም ክተውርስዎም፥ ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድለይዎን ሓልውዎውን።
9“ኣታ ወደይ ሰሎሞን፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ልቢ ይምርምር፥ ንዅሉ ሓሳባት ድማ ይፈልጥ እዩሞ፥ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፤ ብፍፁም ልብኻን ብምሉእ ድሌትካን ከዓ ኣገልግሎ። እንተ ደሊኻዮስ፥ ክትረኽቦ ኢኻ፤ እንተ ሓደግካዮ ግና ንዘለኣለም ክሓድገካ እዩ። 10ሕዚ ኸዓ ኣስተውዕል፦ ንመቕደስ እትኸውን ቤት ክትሰርሕ ሓርዩካ እዩ እሞ፥ ጠንኪርካ ስራሕ።”
11ዳዊት ድማ ንድፊ ናይቲ ገበላ ቤተ መቕደስን ህንፃታቱን መዛግብቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ ቦታኡን ንወዱ ሰሎሞን ሃቦ። 12ከምቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ድማ ንድፊ ኣፀዳት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ኣቑሑ ዝቕመጠሉ ኣብ ዙርያ ዘለዋ ኽፍልታትውን ሃቦ። 13ከምኡውን ኣመዳድባ ኻህናትን ሌዋውያንን፥ ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ኣቑሑ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን መምርሒ ሃቦ። 14ንዅሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዝውዕል ብወርቅን ብብሩርን ዝስራሕ ኣቑሑ፤ ክንደይ ዝሚዛኑ ወርቅን ብሩርን ከም ዝውድእ ድማ መደበሉ። 15ሚዛን ናይቲ ንመስርሒ ቐዋሚ ቐንዲልን መቕረዝን ዝኸውን ወርቅን፥ ሚዛን ናይቲ ንመስርሒ ቐዋሚ ቐንዲልን መቕረዝን ዝኸውን ብሩርን ክንደይ ከም ዝኸውን መደበሉ። 16እቲ ሕብስቲ ቝርባን ዝንበረሉ ብወርቂ ዝስራሕ ሰደቓን ብብሩር ዝስራሕ ሰደቓን ክንደይ ወርቅን ብሩርን ከም ዝውድእ ከዓ መደበሉ። 17ንሻኳታትን ጭሐሎታትን ኵስኵስትታትን፥ ዝኸውን ፅሩይ ወርቂ፥ ንናይ ወርቂ ፅዋዓት ነንፅዋዕ ብሚዛን፥ ንናይ ብሩር ፅዋዓትን ነንፅዋዕ ብሚዛን ሃቦ። 18ነቲ መሰውኢ ዕጣንን ነቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣኽናፎም ዘርጊሖም ዘለዉ ኪሩቤልን ነቲ ንኣኣቶም ዝፀውር ምስሊ ወርቂ ሰረገላ መስርሒ ዝኸውን ዝተዀልዐ ወርቂ መዚኑ ሃቦ።
19ዳዊት ከዓ “ከምቲ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸውዕሎ ናይዚ ዅሉ ነገር እዙይ ንድፊ ተፅሒፉ መፀኒ” በለ።
20ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ኣምላኸይ፥ ምሳኻ እዩሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ስራሕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበርውን። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኵሉ ስራሕ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ንሱ ኣይጠልመካን፤ ኣይሓድገካን ከዓ እዩ። 21እቶም ኣብ ኵሉ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝተመደቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እኒሀዉ። እቶም ብድሌት ዝሰርሑን ጥበብ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣብ ኵሉ ስራሕ ክሕግዙኻ ምሳኻ እኒሀዉ። እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ ንዅሉ ትእዛዝካ ኽፍፅሙ ድልዋት እዮም።”
Currently Selected:
1ይ ዜና 28: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in