YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ዜና 27

27
ኣሰራርዓ ሰራዊትን ምምሕዳር ሃገርን
1ደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰሪዖም ነበሩ፦ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ኣሽሓትን ኣሕሉቕ ሚእትታትን፥ እቶም ብዅሉ ናይ ክፍልታት ሰራዊት ንንጉስ ዘገልግልዎ መኳንንቶምን ኮይኖም ተሰርዑ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ብዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ዝቖመ ነበረ። ሓደ ኽፍሊ ሰራዊት ከዓ ምስ ካልእ ክፍሊ ሰራዊት ኣብ ወወርሒ እናተለዋወጠ ዅልሻዕ የገልግል ነበረ።
2ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ያሾብዓም ወዲ ዘብድኤል ሓለቓ ናይታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ሰራዊት ነበረ። ኣብ ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። 3ንሱ ኻብ ደቂ ፋሬስ ነበረ፤ ሓለቓ ናይቶም ብቐዳመይቲ ወርሒ ዘገልግሉ ኣሕሉቕ ሰራዊት ነበረ።
4ብኻልአይቲ ወርሒ፥ እቲ ኣሆሃዊ ዱዲ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ሚቅሎት ከዓ ሹም ነበረ።
5ብሳልሰይቲ ወርሒ፥ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ሳልሳይ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ። ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ። 6በናያስ ሓደ ኻብቶም ሰላሳ ጀጋኑ ነበረ፤ ሓለቓኣቶምውን ነበረ። ኣብቲ ኽፍሉ ድማ ወዱ ዓሚዛባድ ሹም ነበረ። 7ብራብዐይቲ ወርሒ ኣሳሄል ሓው ኢዮኣብ ሓለቓ ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። ብድሕሪኡ ኸዓ ወዱ ዝባድያ ሹም ነበረ።
8ብሓምሸይቲ ወርሒ፥ ሸምሁት እቲ ይዝራዊ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኣብ ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ።
9ብሻድሸይቲ ወርሒ፥ እቲ ሻድሻይ ሓለቓ ዒራስ ወዲ ዒስካ ቴቁሓዊ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
10ብሻውዐይቲ ወርሒ፥ ሴሌስ እቲ ፍሎናዊ ካብ ደቂ ኤፍሬም ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።
11ብሻምነይቲ ወርሒ፥ ሲቦካይ ኩሳታዊ ካብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
12ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኣቢዔዝር እቲ ዓናቶናዊ ኻብ ብንያማውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።
13ብዓስረይቲ ወርሒ ኖኤሬ እቲ ነጦፋዊ ኻብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
14ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ በናያስ በዓል ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ከዓ ነበርዎ።
15ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ሔልዳይ እቲ ነጦፋዊ ኻብ ደቂ ጎቶንያል ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
ኣሕሉቕ ነገዳት እስራኤል
16ንነገዳት እስራኤል ዘመሓድሩ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦
ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያን ኣልኣዛር ወዲ ዝክሪ ሓለቓ ነገድ ሮቤል ነበረ።
ሰፋጥያስ ወዲ መዓካ፥ ሓለቓ ስምዖናውያን ነበረ።
17ሓሻብያ ወዲ ቀሙኤል፥ ሓለቓ ነገድ ሌዊ ነበረ።
ሳዶቅ ሓለቓ ደቂ ኣሮን ነበረ።
18ኤሊሁ ሓደ ኻብ ኣሕዋት ዳዊት፥ ሓለቓ ይሁዳ ነበረ።
ዖምሪ ወዲ ሚካኤል፥ ሓለቓ ነገድ ይሳኮር ነበረ።
19ይሽማያ ወዲ ኣብድዩ፥ ሓለቓ ነገድ ዛብሎን ነበረ፤
ኢያሪሙት ወዲ ዓዝሪኤል፥ ሓለቓ ነገድ ንፍታሌም ነበረ።
20ሆሴዕ ወዲ ኣዛዝያ፥ ሓለቓ ነገድ ኤፍሬም ነበረ።
ኢዮኤል ወዲ ፈዳያ፥ ሓለቓ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ነበረ።
21ኣዶ ወዲ ዘካርያስ፥ ሓለቓ ናይቶም ኣብ ገለዓድ ዝነብሩ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ነበረ።
የዕሲኤል ወዲ ኣብኔር ሓለቓ ነገድ ብንያም ነበረ።
22ዓዛርኤል ወዲ ይሮሓም፥ ሓለቓ ነገድ ዳን ነበረ።
እዚኣቶም ኣሕሉቕ ነገዳት እስራኤል ነበሩ።
23 # ዘፍ. 15፡5፥ 22፡17፥ 26፡4። ግና እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ዘብዝሖም ኣተስፍዩ ስለ ዝነበረ፥ ዳዊት ነቶም ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ዅሎም ኣይቈፀሮምን ነበረ። 24#2 ሳሙ. 24፡1-15፥ 1 ዜና. 21፡1-14። ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኽቘፅር ጀሚሩ ነበረ፤ ግና ኣይወድኦን። ብሰንኪ እዙይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል መዓት መፀ። እቲ ፀብፃብ ግና ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ንጉስ ዳዊት ኣይተፅሓፈን።
ኣሕሉቕ ቤተ መንግስቲ
25ዓዛሞት ወዲ ዓዲኤል ሓለቓ መዛግብቲ ንጉስ ነበረ።
ዮናታን ወዲ ዖዝያ ድማ ናይቲ ኣብ ገራሁን ኣብ
ከተማታትን ዓድታትን ኣብ ዕርድታትን ዝነበረ ጥሪት ሓለቓ ነበረ።
26ዔዝሪ ወዲ ክሉብ ከዓ ናይቶም ኣብ ግራት ዝዓዩ ሓረስቶት
ሓለቓ ነበረ።
27ሰሜኢ በዓል ኣርማቴም፥ ሓለቓ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበረ።
ዘቢድ በዓል ሸፋም ድማ ናይቲ ኣብ ማዕኸናት ወይኒ ዝኣቱ እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ሓለቓ ነበረ።
28በዓልሓናን እቲ ጌድራዊ ከዓ ናይቲ ኣብ ቆላ ዝነበረ ተኽሊ ኣውሊዕን ዳዕሮን ሓለቓ ነበረ።
ኢዮኣስ ድማ ናይ ማዕኸን ዘይቲ ሓለቓ ነበረ።
29ሰጥራይ በዓል ሳሮን ናይተን ኣብ ሳሮን ዝጓሰያ ኸፍቲ ሓለቓ ነበረ።
ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ናይተን ኣብ ለሴታት ዝነበራ ኸፍቲ ሓለቓ ነበረ።
30ኡቢያስ እቲ እስማኤላዊ ሓለቓ ኣግማል ነበረ።
ዮሕድያ በዓል ሜሮኖት ሓለቓ ኣእዱግ ነበረ።
31ያዚዝ እቲ ኣጋራዊ ድማ ሓለቓ ኣባጊዕን ኣጣልን ነበረ።
ኵሎም እዚኣቶም ኣሕሉቕ ሃብቲ ንጉስ ዳዊት ነበሩ።
መማኽርቲ ንጉስ ዳዊት
32ዮናታን ሓወቦኡ ንዳዊት፥ መማኸሪኡ ነበረ። ንሱ መስተውዓልን ፀሓፍን ነበረ። ይሒኤል ወዲ ሓክሞኒም ድማ
ምስ ደቂ ንጉስ ነበረ።
33ኣኪጦፌል ድማ መማኸሪ ንጉስ ነበረ። ኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ዓርኪ ንጉስ ነበረ።
34ድሕሪ ኣኪጦፌል፥ ዮዳሄ ወዲ በናያስን ኣብያታርን መማኽርቲ ንጉስ ነበሩ።
ኢዮኣብ ከዓ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ።

Currently Selected:

1ይ ዜና 27: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in