YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ዜና 26

26
ሓለውቲ ቤተ መቅደስ
1ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ድማ ኸምዙይ ኮይኖም ተሰርዑ፦ ካብ ቆሬያውያን፦ ሜሱላም ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ።
2ሜሱላም ደቂ ነበርዎ፤ በዅሩ ዘካርያስ፥ ካልኣይ ይዲኤል፥ ሳልሳይ ዮዛባት፥ ራብዓይ የትኒኤል፥ 3ሓምሻይ ዔላም፥ ሻድሻይ ይሆሓናን፥ ሻውዓይ ኤሊሆዔናይ።
4-5 # 2 ሳሙ. 6፡11፥ 1 ዜና. 13፡14። እግዚኣብሄር ንዖቤድኤዶም ውሉድ ብምሃብ ባረኾ፤ በዅሩ ሸማያ፥ ካልኣይ ዮዛባት፥ ሳልሳይ ኢዮኣስ፥ ራብዓይ ሳካር፥ ሓምሻይ ናትናኤል፥ ሻድሻይ ዓሚኤል፥ ሻውዓይ ይሳኮር፥ ሻምናይ ፒላቲ ነበሩ።
6ንወዱ ሸማያ ኸዓ ኣወዳት ተወለዱሉ፤ ንሳቶም ሓያላትን ብርቱዓትን ሰባት ነበሩ እሞ፥ ኣብ ቤት ኣቦኣቶም መራሕቲ ነበሩ። 7ደቂ ሸማያ፦ ዖትኒ፥ ራፋኤል፥ ዖቤድ፥ ኤልዛባድ፥ ምስኣቶም ከዓ እቶም ሓያላት ኤሊሁን ሰማክያን ዝበሃሉ ኣሕዋቱ ነበሩ። 8እዚኣቶም ኵሎም ካብ ደቂ ዖቤድኤዶም ነበሩ። ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን ንኣገልግሎት ዝበቕዑ ንፉዓት ሰባት ነበሩ፤ ኵሎም ደቂ ዖቤድኤዶም ድማ ስሳን ክልተን ነበሩ።
9ሜሱላምውን ዓሰርተ ሸሞንተ ንፉዓት ሰባት ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ።
10ካብ ደቂ ሜራሪ ንዝኾነ ንሖሳ ደቂ ነበርዎ፤ ሽምሪ ሓለቓ ነበረ፤ ንሱ በዅሪ እኳ እንተ ዘይኮነ፥ ኣቦኡ እንተሎ ዋና ገበሮ። 11ካልኣይ ኬልቅያስ፥ ሳልሳይ ጥበልያ፥ ራብዓይ ዘካርያስ ነበረ። ናይ ሖሳ ደቅን ኣሕዋትን ኵሎም ዓሰርተ ሰለስተ ነበሩ።
12እቶም ሓለውቲ በርታት ቤተ መቕደስ፥ በብማይ ቤቶም ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ተመደቡ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከገልግሉ ኸዓ ኸምቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓላፍነት ተቐበሉ። 13ዓቢይን ንእሽተይን ማይ ቤት እንተይበሉ ኣየናይ ኣፍ ደገ ኸም ዝሕልዉ ምእንቲ ኽፈልጡ ዕፃ ኣውደቑ።
14ብወገን ምብራቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ንሰሌምያ በፅሖ። ነቲ ለባም መኻሪ ዝነበረ ወዱ ዘካርያስ ድማ እቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ በፅሖ። 15ንዖቤድኤዶም ከዓ እቲ ብወገን ደቡብ ዘሎ ኣፍ ደገ በፅሖ። ነቶም ደቁ ድማ ምሕላው ቤተ መዛግብቲ በፅሖም። 16እታ ናብ ጥቓ ደገ ሸሌኬት እተደይብ መንገዲ፥ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ኣፍ ደገ ኸዓ ንሰፊንን ንሖሳን በፅሖም። ንውሱን እዋን ከዓ በብተራ ይሕልውዎ ነበሩ። 17ብወገን ምብራቕ መዓልቲ መዓልቲ ሽዱሽተ ሌዋውያን ይሕልዉ ነበሩ። ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ፥ ብወገን ደቡብ ድማ ኣርባዕተ ይሕልዉ ነበሩ። ኣብ ክልቲኡ ቤተ መዛግብቲ ከዓ ኸክልተ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ። 18ኣብቲ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ኣደባባይ፥ ኣብቲ ፈርባር መንገዲ ኣርባዕተ፥ ኣብቲ ጥቓ ፈርባር ድማ ኽልተ ኾይኖም ይሕልዉ ነበሩ።
19እቶም ካብ ደቂ ቆሬን ካብ ደቂ ሜራሪን ዝነበሩ ስሩዓት ሓለውቲ በርታት እዚኣቶም እዮም።
ተሓዝቲ መዛግብትን ካልኦት ሹመኛታትን
20ካብ ሌዋውያን ድማ ኣኪያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ነገርን ተሸይሙ ነበረ።
21ደቂ ለኣዳን ንለኣዳን፥ ዝኾኑ ደቂ ጌድሶናውያን፥ ንጌድሶናዊ ንለኣዳን ዝኾኑ ማይ ቤት ኣቦታት ይሒኤል፥ 22ደቂ ይሒኤሊ ከዓ ዜቶምን ሓዉ ኢዩኤልን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ሓለፍቲ ነበሩ።
23ካብ እንበረማውያን፥ ይስዓራውያን፥ ኬብሮናውያን፥ ካብ ዑዝኤላውያን ሓለፍቲ ነበሩ።
24ሱባኤል፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ሓላፊ ነበረ። 25ካብ ሓዉ ኣልዓዛር ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ኣልዓዛር ንረዓብያ ወለደ፤ ረዓብያ ንየሻያ ወለደ፤ የሻያ ንኢዮራም ወለደ፤ ኢዮራም ንዝክሪ ወለደ፤ ዝክሪ ንሰሎሚት ወለደ። 26ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ንጉስ ዳዊትን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ንእግዚኣብሄር ንዝወፈይዎ ነገር ሓለፍቲ ነበሩ።
27ካብቲ ኣብ ውግእ ዝማረኽዎውን ንመተዓራረዪ ቤት እግዚኣብሄር ክኸውን ወፍዮምዎ ነበሩ። 28ኵሉ እቲ ረኣዪ ሳሙኤልን ሳኦል ወዲ ቂስን ኣበኔር ወዲ ኔርን ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰሎሚትን ኣሕዋቱን ነበረ።
29እቶም ካብ ዓሌት ይስዓር ዝኾኑ ከናንያን ደቁን ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሹመኛታትን ፈረድትን ነበሩ።
30ደቂ ኬብሮን፥ ሓሸብያን እቶም ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኣሕዋቱን ብርቱዓት ሰብኡት ስለ ዝነበሩ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ንእስራኤል ከመሓድሩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ እግዚኣብሄርን ኣብ ኣገልግሎት ንጉስን ተመደቡ። 31ካብቶም ኬብሮናውያን፥ ይሪያ ዋና ማይ ቤት ኬብሮናውያን ነበረ። ዳዊት ምስ ነገሰ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመቱ ብዛዕባኣቶም መርመሩ እሞ ኣብ መንጎኣቶም ኣብ ኢያዜር ኣብ ምድሪ ገለዓድ ሓያላት ጀጋኑ ተረኽቡ። 32ዳዊት ድማ ኻብ ማይ ቤት ይሪያ ኽልተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ብርቱዓት ሰብኡት ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ሓረየ። ንጉስ ዳዊት ኣብ ሰገር ዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ነገድ ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፥ ኣብ ኵሉ ናይ እግዚኣብሄር ነገርን ናይ ንጉስ ነገርን ሓላፊነት ሃቦም።

Currently Selected:

1ይ ዜና 26: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in