1ይ ዜና 25
25
መዘምራን ቤተ መቕደስ
1ዳዊት ድማ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮይኑ፥ ንደቂ ኣሳፍን ንደቂ ኤማንን ንደቂ ኤዶታምን ነገልግሎት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብፀናፅልን ትንቢት ክናገሩ ፈለዮም። ቍፅሪ እቶም ከከም ኣገልግሎቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ከዓ እዙይ እዩ፦
2ደቂ ኣሳፍ፦ ዘኩር፥ ዮሴፍ፥ ነታንያ፥ ኣሳርኤላ፥ እዚኣቶም ደቂ ኣሳፍ፥ ብትእዛዝ ንጉስ ዝንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዝመርሖም ዝነበሩ እዮም።
3ካብ ኤዶታም ደቂ ኤዶታም፦ ጎዶልያስ፥ ፅሪ፥ የሻያ፥ ሰሜኢ፥ ሓሸብያ፥ መቲትያ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ነበሩ። እዚኣቶም በቲ ብበገና ንእግዚኣብሄር ብምምስጋንን ብምውዳስን ዝንበ ዝነበረ ኣቦኣቶም ዝምርሑ ዝነበሩ እዮም።
4ካብ ኤማን፥ ደቂ ኤማን፦ ቡቅያ፥ መታንያ፥ ዓዛርዝኤል፥ ሱባኤል፥ ኢያሪሙት፥ ሓናንያ፥ ሓናኒ፥ ኤሊያታ፥ ጊዶልቲ፥ ሮማንቲዔዘር፥ ዮሽብቃሻ፥ መሎቲ፥ ሆቲር፥ መሓዝዮት።
5እዚኣቶም ኵሎም ደቂ እቲ ናይ ንጉስ ረኣዪ ዝነበረ ኤማን እዮም፤ ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ንኤማን ልዕል ከብሎ ኢሉ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ሃቦ።
6እዚኣቶም ኵሎም ከምቲ ንጉስ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብዅሉ ፀናፅልን መሰንቆን በገናን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ዝነበሩ እዮም። ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ኣቦታቶም ከዓ ይመርሕዎም ነበሩ። 7ቍፅሮም ድማ፥ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር ዝተምሃሩ ዅሎም ክኢላታት ኣሕዋቶም፥ ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሸሞንተን ነበሩ። 8ነናቶም ኣገልግሎት ምእንቲ ኽፈልጡ ድማ ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ መምህር ኮነ ተምሃሪ፥ ማዕረ ገይሮም ዕፃ ኣውደቑ።
9ቀዳመይቲ ዕፃ ኻብ ዓሌት ኣሳፍ ንዝኾነ ንዮሴፍ በፅሐት፤ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ። ካልአይቲ ንጎልዶያስ በፅሐት፤ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
10ሳልሰይቲ ንዘኩር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
11ራብዐይቲ ንይፅሪ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
12ሓምሸይቲ ንነታንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
13ሻድሸይቲ ንቡቅያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
14ሻውዐይቲ ንይሽርኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
15ሻምነይቲ ንየሻያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
16ታሽዐይቲ ንመታንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
17ዓስረይቲ ንሰሜዒ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
18መበል ዓሰርተ ሓደ ንዓዛርኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
19መበል ዓሰርተ ኽልተ ንሓሽብያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
20መበል ዓሰርተ ሰለስተ ንሱባኤል በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
21መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ንመቲትያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
22መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ንኢያሪሙት በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
23መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ንሓናንያ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
24መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ንዮሽብቃሻ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
25መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ንሓናኒ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
26መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ንመሎቲ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
27መበል ዕስራ ንኤልያታ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
28መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
29መበል ዕስራን ክልተን ንጊዶልቲ በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
30መበል ዕስራን ሰለስተን ንመሓዚዮት በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
31መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማንቲዔዘር በፅሐት፤ ንሱን ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
Currently Selected:
1ይ ዜና 25: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: