1ይ ዜና 23
23
1 #
1 ነገ. 1፡1-40። ዳዊት ድማ ዕድመ ፀጊቡ ምስ ኣረገ፥ ንወዱ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ።
ስራሕ ሌዋውያን
2ዳዊት ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕ እስራኤልን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ኣከቦም። 3ዕድመኣቶም ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዝኾኑ ሌዋውያን ከዓ ተቘፀሩ፤ ብዝሖም ድማ ሰላሳን ሸሞንተን ሽሕ ሰብኡት ነበረ። 4ዳዊት ከዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ከመሓድሩ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣሕሉቕን ፈራዶን ክኾኑ መረፆም። 5ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ በርታት ነበሩ፤ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ዳዊት ዘስርሖ መሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ።
6ዳዊት ድማ ንደቂ ሌዊ ኸከም ማይ ቤቶም፦ ንጌድሶን፥ ንቀኣትን፥ ንሜራሪን ኣብ ሰለስተ መቐሎም።
ደቂ ጌድሶን
7ጌድሶን ክልተ ደቂ ነበርዎ፦ ለኣዳን፥ ሰሜኢ እዮም። 8ላዕዳን ሰለስተ ደቂ ነበርዎ፦ ይሒኤል፥ ዜቶም፥ ኢዮኤል እዮም። 9ሰሜኢ ሰለስተ ደቂ ነበርዎ፦ ሸሎሞት፥ ሓዝኤል፥ ሓራን። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ለኣዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም። 10ሰሜኢ ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎ፦ ኢኢት፥ ዚዛ፥ የዑስ፥ በሪዓ እዮም። 11ኢኢት ቀዳማይ ነበረ፤ ዚዛ ድማ ኻልኣይ ነበረ። የዑስን በሪዓን ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፥ ስለዙይ ከም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ኾይኖም ተቘፀሩ።
ደቂ ቀኣት
12ቀኣት ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎ፦ እንበረም፥ ዪፅሃር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል። 13#ዘፀ. 28፡1። ደቂ እንበረም ኣሮንን ሙሴን ነበሩ፤ ኣሮንውን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝተቐደሰ ክኽውን ተፈለየ። ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ክዓጥኑን ከገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ክባርኹን ምሩፃት ነበሩ። 14ደቂ ሙሴ፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ምስ ነገድ ሌዊ ተቘፀሩ። 15ሙሴ ንጌርሳምን ንኣልዓዛርን ወለደ፤ 16ዋና ደቂ ጌርሳም ሱባኤል ነበረ። 17ዋና ደቂ ኣልዓዛር ረዓብያ ነበረ፤ ኣልዓዛር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን፤ ደቂ ረዓብያ ግና እምብዛ ብዙሓት ነበሩ።
18ይስዓር ንሰሎሚት ወለደ፤ ንሱ ዋና ነበረ። 19ደቂ ኬብሮን፦ ዋና ይሪያ፥ ካልኣይ ኣማርያ፥ ሳልሳይ የሕዚኤል፥ ራብዓይ ይቅምዓም። 20ደቂ ዑዝኤል፦ ዋና ሚካ፥ ካልኣይ ይሽያ።
ደቂ ሜራሪ
21ደቂ ሜራሪ፦ ሞሖሊን፥ ሙሲን ነበሩ፤ ደቂ ሞሖሊ፦ ኣልኣዛርን፥ ቂስን ነበሩ። 22ኣልኣዛር ኣወዳት እንተይሓደገ ሞተ፤ ኣዋልድ ግና ነበራኦ፤ ደቂ ሓው ኣቦኣተን ቂስ ከዓ ኣእተዉወን። 23ደቂ ሙሲ፦ ሞሖሊ፥ ዔደር፥ የሬሞት፥ ሰለስተ ነበሩ።
24እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ዕድሜኣቶም ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ይሰርሑ ነበሩ። ኵሎም በብስሞም ኣብ መዝገብ ዝተፅሓፉ ደቂ ሌዊ ነበሩ።
25ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ዕረፍቲ ሂብዎ እዩ። ካብ ሕዚ ንዘለኣለም ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ክነብር እዩ። 26#ዘዳ. 10፡8። ስለዙይ ሌዋውያን ንድንኳንን እቲ ንእኡ ዘድሊ ኣቑሑን ክፆሩ ኣየድልዮምን እዩ” ኢሉ ነበረ። 27ከምቲ ዳዊት ኣብ መወዳእታ ዝኣዘዞ፥ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ደቂ ሌዊ ተቘፀሩ።
28ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ዓፀድን፥ ኣብ ክፍልታትን፥ ቅዱሳት ኣቑሑ ብምንፃህን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብምስራሕን፥ ደቂ ኣሮን ንዝኾኑ ኻህናት ክሕግዝዎም ምሩፃት ነበሩ። 29ነቲ ሕብስቲ ቝርባንን ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ልሑም ሕሩጭን ንዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቝሎ ንዝስንከትን ንዝልወስን፥ ንዅሉ ዝስፈርውን የገልግሉ ነበሩ። 30ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን፥ ምሸት ምሸት ከዓ ኸምኡ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን፥ 31ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተሰርዐ፥ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቝፅሪ ዝተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኵሉ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ተመዲቦም ነበሩ።
32 #
ዘሑ. 3፡5-9። እቶም ሌዋውያን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መቕደስን ክሕልዉ፥ ነቲ ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ኣገልግሎትውን ክሕግዙ፥ ተመዲቦም ነበሩ።
Currently Selected:
1ይ ዜና 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: