1ይ ዜና 14
14
ዳዊትን ስድራኡን ኣብ ኢየሩሳሌም
(2 ሳሙ. 5፡11-16፥ 1 ዜና. 3፡5-8)
1ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ክሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ዝግባን ነደቕትን ፀረብትን ሰደደሉ። 2ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖን፥ ነታ መንግስቱውን እምብዛ ልዕል ከም ዘበለሉን ኣስተውዓለ።
3ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ኣእትዩ፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ወለደ። 4እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ደቂ፦ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥ 5ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ኤሊፋላት፥ 6ኖጋ፥ ናፈቅ፥ ያፌያ፥ 7ኤሊሳማ፥ በዔሊዳሄ፥ ኤሊፋላት እዮም።
ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ከም ዝሰዓሮም
(2 ሳሙ. 5፡17-25)
8ፍልስጥኤማውያን ከዓ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዑ፥ ንዳዊት ክዋግእዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዐ፥ ክዋግኦም ወፀ። 9እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ናብቲ ለሰ ራፋይም ኣትዮም፥ ሓደጋ ኣውደቑ። 10ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ፥ ኣብ ኢደይዶ ኣሕሊፍካ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ተዋግኣዮም” በሎ።
11ዳዊት ድማ ናብ በዓልፐራሲም ደዪቡ ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮም። “ውሕጅ ጥሒሱ ኸም ዝኸይድ፥ ኣምላኽ ንፀላእተይ ጥሒሰዮም ከም ዝኸይድ ገበረኒ” በለ። ስለዙይ እታ ቦታ በኣልፐራሲም ተብሃለት። 12ኣብኣ ፍልስጥኤማውያን ኣማልኽቶም ሓደጉ፤ ዳዊት ከዓ “ብሓዊ ኣቃፅልዎም” ኢሉ ኣዘዘ፤ ብሓዊውን ኣቃፀልዎም።
13እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ኸም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ሓደጋ ኣውደቑ። 14ዳዊት ድማ መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ብቕድሚኦም ገፅ ንገፅ ኣይትግጠሞም፤ ዜርካ ብወገን እቲ ዳዕሮ ተዋግኣዮም እምበር ናብኣቶም ኣይትደይብ። 15ኣብቲ ኣራእስ ዳዕሮ ናይ ዝረግፅ ድምፂ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣነ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክወቕዖ ቀቅድሜኻ ኽወፅእ እዩሞ፥ ሽዑ ንውግእ ውፃእ” በሎ። 16ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓርዎም።
17ዝና ዳዊት ከዓ ኣብ ኵለን ሃገራት ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ዅሎም ኣህዛብ ንዳዊት ከም ዝፈርሕዎ ገበረ።
Currently Selected:
1ይ ዜና 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in