“ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፤ እቲ ብመዓልቲ መንገዲ ዝመርሖም ዝነበረ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ነቲ ዝኸዱሉ መንገዲ ዘብርሀሎም ዝነበረ ዓምዲ ሓዊ ካብኣቶም ኣይረሓቐን። ዝምህሮም ሰናይ መንፈስካ ሃብካዮም፤ መናውን ካብ ኣፎም ኣየጕደልካን። ምስ ፀምኡ ድማ ማይ ሃብካዮም። ኣብ ምድረ በዳ ሓደኳ እንተየጕደልካ፥ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ዝደለይዎ ዅሉ ኣይሰኣኑን፤ ክዳውንቶም ኣይበለየን፤ ኣእጋሮምውን ኣይሓበጠን።