1
ማርቆስ 4:39-40
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንሱ ኸዓ ተሲኡ ነቲ ነፋስ ገሰፆ፤ ነታ ባሕሪ ድማ “ፀጥ በሊ! ህድኢ!” በላ። እቲ ንፋስ ድማ ፀጥ በለ፤ ዓብዪ ህድኣትውን ኮነ። ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ትፈርሑ? ክሳዕ ክንድዙይዶ እምነት የብልኩምን?” በሎም።
Compare
Explore ማርቆስ 4:39-40
2
ማርቆስ 4:41
ንሳቶም ግና የመና ፈርሑ፤ ንስንሳቶም ድማ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ መን እዩ!” ተበሃሃሉ።
Explore ማርቆስ 4:41
3
ማርቆስ 4:38
ኢየሱስ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣበራቢሮም፥ “መምህር፥ ምጥፋእና ኣየሕዝነካን ድዩ?” በልዎ።
Explore ማርቆስ 4:38
4
ማርቆስ 4:24
መሊሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ እትሰምዕዎ ኣስተብህሉሉ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም፥ ክውሰኸልኩምውን እዩ።
Explore ማርቆስ 4:24
5
ማርቆስ 4:26-27
ከምዙይ ድማ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግራቱ ዘርኢ ኸም ዝዘርእ ሰብ እያ። ንሱ ብለይቲ ይድቅስ ብመዓልቲ ድማ ይትስእ፤ እቲ ዘርኢ ድማ ንሱ እንተይፈለጠ ይበቍል፤ ይዓቢውን።
Explore ማርቆስ 4:26-27
6
ማርቆስ 4:23
ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”
Explore ማርቆስ 4:23
Home
Bible
Plans
Videos