ንሳቶም ድማ ምስቶም ዓበይቲ ተኣኪቦም መኸሩ፤ ብዙሕ ገንዘብ ከዓ ነቶም ወታደራት ሃብዎም። “ ‘ንሕና ደቂስና እንተለና፥ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መፂኦም ሰሪቖምዎ’ በሉ። እዝ ነገር እዙይ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰሚዑ፥ ንሕና ኽነረድኦ ኢና፤ ንኣኻትኩም ድማ ብዘይ ስግኣት ከም እትነብሩ ክንገብር ኢና” በልዎም። ንሳቶም ድማ ገንዘብ ተቐቢሎም፥ ከምቲ ዝነገርዎም ገበሩ። እዝ ነገርዙይ ክሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ኣይሁድ ይንገር ኣሎ።