1
ማቴዎስ 15:18-19
መፅሓፍ ቅዱስ
እቲ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ግና፥ ካብ ልቢ እዩ ዝወፅእ እሞ፥ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ምንዝርና፥ ስርቂ፥ ብሓሰት ምምስካር፥ ፀርፊ ይወፅእ።
Compare
Explore ማቴዎስ 15:18-19
2
ማቴዎስ 15:11
ንሰብ ዘርክሶ ኻብ ኣፍ ዝወፅእ ደኣ እምበር፥ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ኣየርክሶን” በሎም።
Explore ማቴዎስ 15:11
3
ማቴዎስ 15:7-9-7-9
ኣቱም ግብዛት! ኢሳይያስ፥ ‘እዝ ህዝቢ እዙይ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፤ ብልቡ ግና ኻባይ እምብዛ ዝረሓቐ እዩ። ትምህርቲ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፥ ብኸንቱ የምልኹኒ ኢሉ፥ ብዛዕባኻትኩም ሓቂ ተነበየ።’ ”
Explore ማቴዎስ 15:7-9-7-9
4
ማቴዎስ 15:28
ሽዑ ኢየሱስ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እምነትኪ ዓብዪ እዩ፤ ከም ዝደለኺዮ ይኹነልኪ!” በላ። እታ ጓላውን በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየት።
Explore ማቴዎስ 15:28
5
ማቴዎስ 15:25-27
ንሳ ግና “ጐይታይ ርድአኒ” እናበለት ቀሪባ ሰገደትሉ። ንሱ ኸዓ መሊሱ “እንጀራ ውሉድ ኣልዒልካ፥ ነኽላባት ምሃብ ፅቡቕ ኣይኮነን” በላ። ንሳ ድማ “እወ ጐይታይ! ኣኽላባትውንኮ፥ ካብ ማእዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም” በለቶ።
Explore ማቴዎስ 15:25-27
Home
Bible
Plans
Videos