1
ኢያሱ 1:9
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”
Compare
Explore ኢያሱ 1:9
2
ኢያሱ 1:8
ነቲ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፥ ነዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ። ሽዑ መንገድኻ ኽቐንዐካን ክሰልጠካን እዩ።
Explore ኢያሱ 1:8
3
ኢያሱ 1:7
ከምቲ ኣገልጋሊየይ ሙሴ ዝኣዘዘካ፥ ንዅሉ ሕጊ ተጠንቂቕካ ሓልዎ። ፅናዕ፤ ኣይዞኻ ትባዕ። ብዅሉ እትኸዶ ምእንቲ ኽቐንዐካ ኻብቲ ሕጊ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል።
Explore ኢያሱ 1:7
4
ኢያሱ 1:5
ኣብ ምሉእ ዕድሜኻ ዝቃወመካ ሰብ ኣይህሉን እዩ። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፥ ምሳኻውን ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን እየ፤ ኣይድርብየካንውን እየ።
Explore ኢያሱ 1:5
5
ኢያሱ 1:6
“እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ክተውርሶ ኢኻ እሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ።
Explore ኢያሱ 1:6
6
ኢያሱ 1:3
ከምቲ ንሙሴ ዝነገርክዎ፥ ኵላ እግርኹም ዝረገፀታ ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም ኣለኹ።
Explore ኢያሱ 1:3
7
ኢያሱ 1:2
“ኣገልጋሊየይ ሙሴ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ሕዚ ተስእ፤ ንስኻን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ።
Explore ኢያሱ 1:2
8
ኢያሱ 1:1
ከምዙይ ድማ ኾነ፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ምስ ሞተ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ሙሴ፥
Explore ኢያሱ 1:1
9
ኢያሱ 1:4
ወሰንኩም ካብ ምድረ በዳን ካብ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ብምልእታ ምድሪ ኬጢያውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ዓብዪ ባሕሪ ክኸውን እዩ።
Explore ኢያሱ 1:4
10
ኢያሱ 1:18
ንስኻ ደኣ ፅናዕ፥ ትባዕ እምበር፥ ኵሉ ቓልካ ዘይሰምዕን ትእዛዝካ ዘይፍፅምን ሰብ ይቀተል” ኢሎም መለሱሉ።
Explore ኢያሱ 1:18
11
ኢያሱ 1:10-11
ሽዑ ኢያሱ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ “ብማእኸል ሰፈር ሓሊፍኩም ነቶም ህዝቢ፦ ‘በዘን ሰለስተ መዓልቲ እዚኣተን ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትወርስዋ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ ኢኹምሞ ስንቅኹም ኣዳልዉ’ በልዎም” ኢሉ ኣዘዞም።
Explore ኢያሱ 1:10-11
Home
Bible
Plans
Videos