1
ኤርሚያስ 7:22-23
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ብናይ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን ኣይተዛረብክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን። እኳ ደኣ ‘ቃለይ ስምዑ፤ ኣነ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ህዝበይ ክትኮኑ ኢኹም። ፅቡቕ ምእንቲ ኽትረኽቡ እውን፤ በቲ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም መንገድታት ተመላለሱ’ ኢለ ኣዘዝክዎም።
Compare
Explore ኤርሚያስ 7:22-23
2
ኤርሚያስ 7:24
“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።
Explore ኤርሚያስ 7:24
3
ኤርሚያስ 7:5-7
“ንመንገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣፀቢቕኩምዎ፥ ኣብ መንጎ ንስንሳትኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፥ ንጓናን ንደኽታምን ንመበለትን እንተ ዘየጨኒቕኩም፥ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ንፁህ ደም እንተ ዘየፍሲስኩም፥ ንዝጐድኡኹም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይተኸቲልኩም፥ ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃብክዎም ምድሪ፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።
Explore ኤርሚያስ 7:5-7
4
ኤርሚያስ 7:3
እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣፀብቑ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዝ ስፍራ እዙይ ከንብረኩም እየ።
Explore ኤርሚያስ 7:3
Home
Bible
Plans
Videos