ፈርዖን ንጋዛ እንተይወግኣ እንተሎ፥
ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን፥
ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ፥
ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
እንሆ፥ ማያት ካብ ሰሜን ይለዓል ኣሎ፤
ዘዕለቕልቕ ፈሳሲ ክኸውን እዩ፤
ኣብታ ሃገርን ኣብኣ ኣብ ዘሎ ዅሉን፥
ኣብተን ከተማታትን፥
ኣብኣተን ኣብ ዝነብሩ ህዝብን ከዕለቕልቕ እዩ፤
እቲ ህዝቢ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸእዊ እዩ፤
እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምውን ከእውዩ እዮም።