እንሆ ድማ ኣምፅኦ፤ ሕዚ እውን ከምቲ ዝተዛረቦ ገበረ፤ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ቃሉውን ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ እዝ ነገር እዙይ በፅሐኩም። ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ሎሚ ነቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት ፈታሕኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ድሌትካ እንተ ኾይኑ ነዓናይ፥ ኣነውን ብፅቡቕ ዓይኒ ኽሪአካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ እንተ ዘይደሊኻ ግና፥ ተቐመጥ፤ እንሆ፥ ኵላ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ናብቲ ኽትከዶ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ።