1
ኢሳይያስ 9:6
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
Compare
Explore ኢሳይያስ 9:6
2
ኢሳይያስ 9:2
እቲ ኣብ ፀልማት ዝመላለስ ህዝቢ፥ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ምድሪ ፅላሎት ሞት ዝነብሩ ድማ፥ ብርሃን ወፀሎም።
Explore ኢሳይያስ 9:2
3
ኢሳይያስ 9:7
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
Explore ኢሳይያስ 9:7
4
ኢሳይያስ 9:5
ኵሉ መንገዲ ጫማታት ሰብ ኲናትን፥ ብደም ዝተኣለኸ ኽዳውንትን ክነድድ፥ መሳወሪ ሓዊ ኾይኑውን ክቓፀል እዩ።
Explore ኢሳይያስ 9:5
5
ኢሳይያስ 9:1
ግና ኣብ ጭንቂ ንዝነበረት ደጊም ፀልማት ኣይኸውንን፤ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ኣዋረደ። ብዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ብማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብመንገዲ ባሕሪ ዘላ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኸኽብራ እዩ።
Explore ኢሳይያስ 9:1
6
ኢሳይያስ 9:3
ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕኻዮ፥ ንሓጐሶምውን ወሰኽካሉ፤ ሰባት ምህርቲ እንትእክቡ፥ ምርኮውን እንትካፈሉ ደስ ከም ዝብሎም፥ ንሳቶም ኣብ ቅድሜኻ ኽሕጐሱ እዮም።
Explore ኢሳይያስ 9:3
7
ኢሳይያስ 9:4
ከምቲ ቐደም ኣብ ምድያም ዝኾነ፥ ነቲ ዝኸበዶም ኣርዑትን፥ ነቲ ኣብ ማእገሮም ዝነበረ በትርን፥ ንዘንጊ መጨነቒኡን ሰበርካዮ።
Explore ኢሳይያስ 9:4
Home
Bible
Plans
Videos