“ብሰንበት፥ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፥ እግርኻ እንተ ዓቀብካ፥ ንሰንበት ከዓ ‘ደስታ’ ነታ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ መዓልቲ ‘ክብርቲ’ ኢልካ እንተ ፀዊዕኻያ፥ እንተ ኣኽቢርካያ፥ ናይ ባዕልኻ መንገዲ ድማ እንተ ዘይኬድካ፥ ድልየትካውን እንተ ዘይጌርካ፥ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛሪብካ፥ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለካ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደዪበካ እየ፤ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዐካ እየ።”