1
ዘፀኣት 9:16
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር ኣልዒለካ ኣለኹ።
Compare
Explore ዘፀኣት 9:16
2
ዘፀኣት 9:1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ናብ ፈርዖን ኣቲኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕብራውያን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
Explore ዘፀኣት 9:1
3
ዘፀኣት 9:15
ሕዚ እውን፥ ኢደይ ዘርጊሐ ንኣኻን ንህዝብኻን ብፌራ ምወቓዕኹኹም ነይረ፤ ንስኻውን ካብ ምድሪ ምጠፋእኻ ኔርኻ።
Explore ዘፀኣት 9:15
4
ዘፀኣት 9:3-4
እንሆ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ኣብ በረኻ ኣብ ዘለዋ ጥሪትካ፥ ኣብ ኣፍራስ፥ ኣብ ኣእዱግ፥ ኣብ ኣግማል፥ ኣብ ከፍትን ኣብ ኣባጊዕን፥ ብርቱዕ መቕሰፍቲ ኽወርድ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ጥሪት እስራኤልን ኣብ መንጎ ጥሪት ግብፃውያንን ፍልልይ ክገብር እዩ፤ ካብ ጥሪት ደቂ እስራኤል ከዓ ሓንቲ እኳ ኣይትመውትን እያ።”
Explore ዘፀኣት 9:3-4
5
ዘፀኣት 9:18-19
እምበኣር ፅባሕ በዛ ሰዓት እዚኣ፥ ግብፂ ኻብ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ኽሳዕ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ፥ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ። ስለዙይ ሕዚ ልኢኽካ እንስሳኻን ኣብ በረኻ ዘሎ ሃብትኻን ናብ ገዛ ኣክብ። ኣብቶም ኣብ ገዛ ዘይኣተዉን ኣብ በረኻ ዘለዉ ዅሉ ሰብን እንስሳን በረድ ክወርድ እዩ እሞ ኽሞቱ እዮም።”
Explore ዘፀኣት 9:18-19
6
ዘፀኣት 9:9-10
ንዅላ ምድሪ ግብፂ ኸዓ ኣቦራ ክኸድና እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ዘለዉ ሰብን ጥሪትን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ኽወፆም እዩ” በሎም። ስለዙይ ካብቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊኖም ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ደው በሉ። ሙሴ ኸዓ ነቲ ሓሙዅሽቲ ናብ ሰማይ ኣቢሉ በተኖ፤ ኣብ ሰብን ኣብ እንስሳን ድማ ግዝዋ ዘምፅእ ቍስሊ ወፆም።
Explore ዘፀኣት 9:9-10
Home
Bible
Plans
Videos