1
ዘፀኣት 5:1
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ድሕሪዙይ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርዖን ኣትዮም “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣብ ምድረ በዳ በዓል ክገብሩለይ ንህዝበይ ስደዶም’ ይብል ኣሎ” በልዎ።
Compare
Explore ዘፀኣት 5:1
2
ዘፀኣት 5:23
ካብታ ናብ ፈርዖን ከይደ ብስምካ ዝተዛረብኩላ ዕለት፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣጨነቐሉ፤ ንስኻ ድማ ንህዝብኻ ኸቶ ኣየድሓንካዮን” በለ።
Explore ዘፀኣት 5:23
3
ዘፀኣት 5:22
ሙሴ ኸዓ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፦ “ኦ ጐይታ! ነዝ ህዝቢ እዙይ ስለ ምንታይ ኣኽፋእኻሉ? ንኣይከ ስለ ምንታይ ነዙይ ክገብር ለኣኽካኒ?
Explore ዘፀኣት 5:22
4
ዘፀኣት 5:2
ፈርዖን ድማ “እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሰዶምስ፥ እግዚኣብሄር መን እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን እየ፤ ንእስራኤል ከዓ ኣይሰዶን እየ” በሎም።
Explore ዘፀኣት 5:2
5
ዘፀኣት 5:8-9
ብዝሒ ጡብ ግና፥ ከምቲ ቐደም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኣስርሕዎም እምበር፥ ካብኡ ሓንቲ እኳ ኣየጕድሉ። ‘ንኣምላኽና ኽንስውእ ክንከይድ ስደደና’ እናበሉ ዝጠርዑ ዘለዉ ስራሕ ስለ ዝሰልከዮም እዩ እሞ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ናብ ዘረባ ሓሰት ምእንቲ ኸየቕልቡ ስራሕ ኣኽብዱሎም፤ ካብ ስራሕውን ፈንተት ኣይተብልዎም” በሎም።
Explore ዘፀኣት 5:8-9
Home
Bible
Plans
Videos