1
ዘፀኣት 3:14
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ ‘ዘሎን ዝነብርን’ ኣነ እየ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ እቲ ‘ዘሎን ዝነብርን’ ናባኻትኩም ልኢኹኒ በሎም” በሎ።
Compare
Explore ዘፀኣት 3:14
2
ዘፀኣት 3:12
እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ኣነ ብሓቂ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ እዙይ ምልክት ይኹንካ፦ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኻዮ፥ ኣብዝ እምባ እዙይ ንእግዚኣብሄር ክተምልኹ ኢኹም” በሎ።
Explore ዘፀኣት 3:12
3
ዘፀኣት 3:5
እግዚኣብሄር ድማ “ናብዙይ ኣይትቕረብ፤ እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ።
Explore ዘፀኣት 3:5
4
ዘፀኣት 3:7-8
እግዚኣብሄር ድማ “መከራ እቲ ኣብ ግብፂ ዘሎ ህዝበይ ሪአ ኣለኹ። ብሰንኪ እቶም ዘስርሕዎም ዘእውይዎ ዘለዉ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስቓዮምውን ፈሊጠ ኣለኹ። ስለዙይ ካብ ኢድ ግብፃውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣለኹ፤ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ፅብቕትን ስፍሕትን ምድሪ፥ ናብ ዓዲ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ከደይቦም እየ።
Explore ዘፀኣት 3:7-8
5
ዘፀኣት 3:2
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ማእኸል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተርኣዮ። ሙሴ ድማ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ እንተይተቓፀለት ሃልሃል እንትትብል ረአያ።
Explore ዘፀኣት 3:2
6
ዘፀኣት 3:10
እምበኣር ሕዚ ነዓ፤ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽተውፅኦም፥ ናብ ፈርዖን ክልእኸካ እየ” በሎ።
Explore ዘፀኣት 3:10
Home
Bible
Plans
Videos