ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ “እንሆ፥ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጀራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብትእዛዘይ ዝኸዱ እንተ ኾይኖምን እንተ ዘይኮይኖምን ምእንቲ ኽፍትኖምስ እናወፁ በብመዓልቱ ነታ ዕለት ዝኣክል ይኣክቡ።