ሙሴ ኸዓ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብፂ ዘርግሐ፤ እግዚኣብሄር ድማ ብምልእታ እታ መዓልቲ እቲኣን፥ ብምልእታ እታ ለይቲ እቲኣን፥ ናብታ ምድሪ ንፋስ ምብራቕ ኣምፅአ። ምስ ወግሐ ድማ እንሆ እቲ ንፋስ ምብራቕ፥ ኣንበጣ ኣምፅአ። እቲ ኣንበጣ ኸዓ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብፂ ወፀ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ የመና ብዙሕ ኣንበጣ ነበረ። ቅድሚኡ ኽንድኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ተርእዩ ኣይፈልጥን። ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይረአን እዩ።