ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፥ ናይቲ ዝፀውዐኩም ተስፋ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ንቕዱሳን ዘተስፈዎም ክቡር ርስቲ፥ ክንደየናይ ብዙሕ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽተስተውዕሉ፥ እፅሊ ኣለኹ። ኣባና ኣብ እንኣምን ከዓ፥ እቲ ኽግመት ዘይከኣል ዕቤት ሓይሉ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እፅሊ ኣለኹ። እዝ ኣባና ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሉ ኸዓ፥ እቲ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስአሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ዘቐመጠሉን ሓይሉ እዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለምውን፥ ኣብ ልዕሊ ግዝኣትን ስልጣንን ሓይልን ምልክን ሸይሙ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዝፅዋዕ ስም ሃቦ።