ብሓይሉ ደኣ ኣይኮነን እምበር እምብዛ ኽብርትዕ እዩ፤ ዘስካሕክሕ ጥፍኣትውን ክገብር እዩ። ዝገብሮ ዅሉ ኸዓ ኽሰልጦ እዩ፤ ንሓያላት ሰባትን ንቅዱሳን ህዝብን ድማ ኸጥፍኦም እዩ። ብኽእሎ ምድንጋሩ፥ ተንኰሉ ኽሰልጠሉ እዩ፤ የመና ብልቡ ኽዕበ እዩ፤ ብዙሓት ተደላዲልና ብሰላም ተቐሚጥና ኣለና እንትብሉ የጥፍኦም፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ልዑላን ልዑል እኳ ኽትስእ እዩ። ንሱውን ክጠፍእ እዩ፤ ግና ብዘይ ኢድ ሰብ ክስበር እዩ።