1
ቈላስይስ 1:13
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
Compare
Explore ቈላስይስ 1:13
2
ቈላስይስ 1:16
ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ፥ ዝረአን ዘይረአን፥ ሓይልታት ይኹኑ ገዛእቲ፥ ኣሕሉቕ ይኹኑ ስልጣናት፥ ኵሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም እሞ፥ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ።
Explore ቈላስይስ 1:16
3
ቈላስይስ 1:17
ንሱ ኸዓ፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፤ ኵሉ ፀኒዑ ዝቖመውን ብእኡ እዩ።
Explore ቈላስይስ 1:17
4
ቈላስይስ 1:15
ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሄር ኣምሳልን፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ።
Explore ቈላስይስ 1:15
5
ቈላስይስ 1:9-10
ስለዙይውን እዩ፥ ንሕና ኻብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፥ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ክመልአኩም፥ ብዛዕባኻትኩም ካብ ምፅላይ፥ ኣቋሪፅና ኣይንፈልጥን። ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና።
Explore ቈላስይስ 1:9-10
Home
Bible
Plans
Videos