1
2ይ ነገስት 6:17
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኤልሳዕ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ምእንቲ ኽርእስ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣዒንቲ እቲ ሓሽከሩ ኸፈተ እሞ ረአየ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ ኣብቲ ዀረብታታት ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነቲ ዀረብታ መሊኦምዎ ነበሩ።
Compare
Explore 2ይ ነገስት 6:17
2
2ይ ነገስት 6:16
ኤልሳዕ ከዓ “ካብቶም ምስኣቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፥ ኣይትፍራሕ” በሎ።
Explore 2ይ ነገስት 6:16
3
2ይ ነገስት 6:15
እቲ ሓሽከር ኤልሳዕ ኣንጊሁ ተሲኡ ምስ ወፀ ኸዓ፥ እንሆ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ነበሩ። ሽዑ ንኤልሳዕ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና?” በሎ።
Explore 2ይ ነገስት 6:15
4
2ይ ነገስት 6:18
እቶም ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ኣቢሎም ምስ ወረዱ ኸዓ ኤልሳዕ “እልምነካ ኣለኹ፤ ነዚ ህዝቢ እዙይ ኣዕውሮ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳዕ ድማ ኣዕወሮ።
Explore 2ይ ነገስት 6:18
5
2ይ ነገስት 6:6
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ “ኣበይ ወዲቑ?” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ነታ ቦታ ኣርኣዮ። ሽዑ ኤልሳዕ ዕንፀይቲ ቘሪፁ ናብኣ ደርበዮ፤ እቲ ምሳር ከዓ ፀለል በለ።
Explore 2ይ ነገስት 6:6
6
2ይ ነገስት 6:5
ሓደ ኻብኣቶም ኦም ክቘርፅ እንተሎ፥ እቲ ምሳር ነፂሉ ናብ ማይ ጠለቐ። ሽዑ ዓው ኢሉ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ እየ ዝገብሮ? ኣቕሓ ልማኖ እዩ” ኢሉ ኣእወየ።
Explore 2ይ ነገስት 6:5
7
2ይ ነገስት 6:7
ሽዑ ድማ “ውሰዶ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዶ።
Explore 2ይ ነገስት 6:7
Home
Bible
Plans
Videos