እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን ድምፆም ብሓደ ኣስምዑ። ብመለኸትን ብፀናፅልን ብኻልእ ዓይነት መሳርሒ ሙዚቃን ተሰንዮም፥ “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱ ኸዓ ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ሽዑ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደመና መልኦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደመና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።