እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን “ድሌትካ እዙይ ካብ ኮነ፥ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን ወይ ነፍሲ ፀላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ስለ ዘይለመንካ፥ ክንድኡ ነዝ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምምሕዳር ምእንቲ ኽትክእል፥ ጥበብን ፍልጠትን ክወሃበካ ስለ ዝለመንካ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሂበካ ኣለኹ። ቅድሜኻ ንዝነበረ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፥ ብድሕሬኻ ዝለዓልውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ ሃብትን ገንዘብን ክብረትን እውን ክህበካ እየ” በሎ።