1
ገላትያ 6:9
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ገላትያ 6:10
እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
3
ገላትያ 6:2
ነፍሲ ወከፍ፥ ናይ ካልእ ፆር ይፁር፤ በዙይ ከዓ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍፅሙ ኢኹም።
4
ገላትያ 6:7
ኣይትስሓቱ፤ እግዚኣብሄር ኣይዕሾን እዩ፤ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ እዩ ዝዓፅድ።
5
ገላትያ 6:8
እቲ ንስጋኡ ኸሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ፥ ካብ ስጋኡ ሞት ይዓፅድ። እቲ ንመንፈስ ከሕጕስ ኢሉ ዝዘርእ ከዓ፥ ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይዓፅድ።
6
ገላትያ 6:1
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ።
7
ገላትያ 6:3-5
ሓደ ሰብ፥ ንዘይኮኖ ኸም ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ንባዕሉ የታልል። እንተ ኾነ፥ ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ስራሕ ይመርምር፤ ሽዑ ብናይ ብፃዩ ዘይኮነ፥ ብናይ ባዕሉ ስራሕ ክምካሕ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ባዕሉ ፆር፥ ክፀውር ይግባእ እዩ እሞ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo