1
ገላትያ 5:22-23
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥ ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ። ነዝ ኸምዙይ ዝመሰለ፥ ዝኽልክል ሕጊ የለን።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ገላትያ 5:16
ኣነ ግና ብመንፈስ ተመላለሱ፤ ድልየት ስጋ ኸዓ፥ ኣይትፈፅሙ እብለኩም ኣለኹ።
3
ገላትያ 5:25
ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ።
4
ገላትያ 5:24
እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።
5
ገላትያ 5:19-21
ተግባር ስጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ስድነት፥ ኣምልኾ ጣዖት፥ ጥንቈላ፥ ፅልኢ፥ ክርክር፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ንባዕልኻ ምፍታው፥ ምፍልላይ፥ መናፍቕነት፥ መንቀኝነት፥ ምቕታል፥ ስኽራን፥ ስድነት ዘለዎ ጐይላ፥ ነዙይ ዝመስል ኵሉን እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዘጠንቀቕኩኹም፥ እቶም ነዙይ ዝመስል ዝገብሩ ዅሎም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርሱን እዮም።
6
ገላትያ 5:13
ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኮኑ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም፤ ግና ሓርነትኩም ንስጋ ምኽንያት ኣይሃብ፤ ግና ንስንሳትኩም፥ ብፍቕሪ ከም ባሮት ኮኑ።
7
ገላትያ 5:17
ትምኒት ስጋ፥ ምስ መንፈስ መፃርርቲ እዩ፤ መንፈስ ከዓ፥ ምስ ድልየት ስጋ መፃርርቲ እዩ። ስለዙይ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፥ ክልቲኦም መፃርርቲ እዮም።
8
ገላትያ 5:14
ሕጊ ብምሉኡ ኣብቲ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ትእዛዝ፥ ተጠቕሊሉ ኣሎ እሞ።
9
ገላትያ 5:26
ንስንሳትና እናተነቓቐፍናን እናተቐናናእናን፥ ብኸንቱ ኣይንመካሕ።
10
ገላትያ 5:1
ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ መሊስኩም በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo